banner

ደብረ ምጥማቅ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ደብረ ምጥማቅ (21 ግንቦት)

ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ምድረ ግብጽ ምስ ተሰደ በኪደተ እግሩ ካብ ዝረገጸን ቦታታት ሓንቲ ደብረ ምጥማቅ እያ። ኣብ ጊዜ ስደት፡ እቶም ሸፋቱ ነቲ ዝወሰድዎ ኽዳን ጐይታና ብርኅራኄ ምስ መለሱላ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንፍቁር ወዳ እናኣመስገነት፡ ነዛ ቦታ ደብረ ምጥማቅ፡ ‘ ፍጹም ቅድስቲ ኩኒ፣ ኣብዛ ቦታ’ዚኣ ኾይኑ ዚጸለየ ብቕልጡፍ ክሰምዖ እየ’ እናበለት ብኢድ ወዳ ባረኸታ። ምእንቲዚ ድማ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብዛ ብስማ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ደብረ ምጥማቅ ኮይኑ ዝጸለየ ዅሉ ጸሎቱ ተሰሚዑ ሓሳብ ልቡ ኪፍጸመሉን ተኣምራት ኪግበረሉን ይነብር ኣሎ።

ደብረ ምጥማቅ፡ ሰፈር ሰማዕታትን ጻድቃንን፡ ቅዱሳን ዘይፍለይዋ ቅድስቲ ቦታ እያ። ነዚ ቅድስናኣ ዚገልጽ’ውን ክልተ ኣስናን ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ሊቀ ጳጳሳት እስንክድርያ ከም ፋኑስ ክበርሁ ዝተራእየላ፡ ምሥጢረ ክሕደት ኣርዮስ ዝተቓልዓላ ቦታ ሃይማኖት እያ። ኣቐዲሙ ባዕሉ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ኣብዛ ደብረ ምጥማቅ’ዚኣ ዓባይ ቤተ ክርስቲያን ሓኒፁ ብስም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ታቦት ቀሪጹ፡ 21 ግንቦት ቅዳሴ ቤታ ኣኽበረላ። ነዛ ቤተ ክርስቲያን’ዚኣ ድማ ‘ደብረ ምጥማቅ ማርያም’ ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ለይትን መዓልትን ዘገልግሉ ዓሠርተው ኣርባዕተ ካህናት መዲቡ፡ ከም ገዳም ገደማ። ንሱ’ውን ክሳዕ ዕለተ ዕረፍቱ ልብሰ ተክህኖ ለቢሱ ማዕጠንተ ወርቅ ኂዙ ይዓጥና ነበረ።

ካብ ጊዜ ስደት እግዝእትነ ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ከምኡ’ውን ብፍላይ ካብ ዘመነ ጵጵስና ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ጀሚሩ፡ ኣብ ደብረ ምጥማቅ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብተኣምራት ትግለጽ ኣላ። ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ብለይቲ ብርሃን ተዀሊዑ ይርአ፣ ነቲ ብጸሎት ዝምሕጸና ድማ ብጋህድን ብራእይን ሕልምን ትግለጸሉ።

ኣብ መቅድም መጽሓፍ ተኣምረ ማርያም “አመ ዕሥራ ወአሚሩ ለወርኀ ግንቦት ይትጋብኡ ብዙኃን ሕዝብ በምድረ ግብጽ ውስተ ቤተ ክርስቲያን እንተ ትሰመይ ደብረ ምጥማቅ ወይመጽኡ እምሥራቅ ወእምዕራብ እምሰሜን ወእምደቡብ ወእምኵሉ አህጉር፣ ወይትዓየኑ ህየ በደባትር ወበሐይመታት ወበሰቃልው ወበአጎበር ወይእኅዙ ገቢረ በዓላ ለድንግል እም ፳ወ፩ እስከ ፳ወ፭ በዐቢይ ክብር ወበዐቢይ ፍሥሐ፡ ወድንግልሂ ታስተርእዮሙ በዝንቱ ኃሙሰ መዋዕለ ዘእንበለ ጽርዐት ምስለ መላእክት ወጻድቃን ወሰማዕት ምስሌሃ፡ ወተንባላትሂ ወክርስቲያን ይሬእይዋ ገሀደ ወይገብሩ በዓላ በዐቢይ ክብር” ይብል።

ዓመት መጸ 21 ግንቦት ኣብ ደብረ ምጥማቅ ማርያም ቤተ ክርስቲያን ካብ ኣርባዕተ ማዕዘን ካብ ኵለን ሃገራት ዝመጽኡ ብዙኃን ሰባት ተኣኪቦም፡ ዳስ ተኺሎም ድንኳን ዘርጊሖም ክሳዕ 25 ግንቦት ብፍጹም ሓጐስ በዓለ ማርያም የኽብሩ። ኣብዘን ኃሙሽተ መዓልትታት ድማ እግዝእትነ ማርያም ምስ መላእኽትን ሰማዕታትን ጻድቃንን ትግለጸሎም። ንዅሎም እቶም ዝመጽኡ ዋላ ንዘይኣመንቲ ከይተረፉ እኳ ከከም ብቕዓቶም ብጋህድን ራእይን ሕልምን እናተገልጸት ሓሳብ ልቦም ትፍጽመሎም።

እዛ ገዳም’ዚኣ ኽሳዕ ሎሚ በቶም ተኣምረ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተፈጸመሎምን ዝሰምዑን ምእመናንን ዘይኣመንትን ዓመት መጽአ 21 ግንቦት ምስ ኣዕለቕለቐት እያ።
ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ እንከላ ከምዚ ዝበለ ፍሉይ ተኣምራት ስለምንታይ ኣብ ደብረ ምጥማቅ ማርያም ይግበር እንተተባህለ፡ ከምቲ ዝተጠቕሰ ጐይታ በኪደተ እግሩ ስለዝባረኻን ቃል ኪዳን ቅድስት ድንግል ማርያም ስለዘለዋን በረኸት ቅዱሳን ስለዘይተፈልያን እዩ።

እምበር እግዝእትነ ማርያም ነቲ ኣብ ዘለዎ ኾይኑ ስማ ዚጽውዕን ብቓል ኪዳና ዚምሕጸንን ዘበለ ዅሉ ሓሳቡ ተሥምረሉ እያ፣ ከም መጠን ጽንዓት እምነቱን ስፍሓት ኣእምሮኡን’ውን ብጋህዲ ኾነ ብራእይን ሕልምን ትግለጸሉ እያ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር በአርያም ዘይሴባሕ ዘአርአየ መንክረ በስእለታ ለእሙ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል በ፪ኤ ማርያም ወላዲተ አምላክ ጸሎታ ወበረከታ የሀሉ ምስሌነ ለዓለመ ዓለም፡ አሜን።
ነቲ ብኣማላድነት ኣደኡ እግዝእትነ ቅድስት ብኽልተ ወገን ድንግል ወላዲተ ኣምላክ ማርያም ተኣምሩ ዝገለጸ፡ ኣብ ኣርያም ዝምስገን እግዚአብሔር ምስጋና ይብጽሓዮ። ናታ ጸሎትን በረኸትን ድማ ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ንዘለዓለም ይኹን፡ ኣሜን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195