banner

በዓለ ሥዕል ዘጼዴንያ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ ብዝሓፀረ መንገዲ ምርዳእ ይከኣል። ናይ ጐይታና ልደቱን ጥምቀቱን ስቕለቱን ትንሣኤኡን ዕርገቱን ብሥእሊ ገይርካ ምግላጽ፡ ናይ ጐይታና ወንጌለ መንግሥት ድኅነት ዓለም ምስባኽን ምምሃርን እዩ። ኣሣእል ጐይታ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅዱሳን መላእክት፡ ቅዱሳን ሰባትን ቅዱስ መስቀልን ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ቤተ ጸሎት፡ ቤትካ፡ ቅዱሳት መጻሕፍት ምሥኣል ኣብቲ በዓል ቤት ሥእሊ ዘሎካ ክብርን ፍቕርን ንምግላጽ፡ንምስትንታንን ንምዝካርን ከምኡ’ውን ካብቲ በዓለ ቤት ሥእሊ ረድኤትን በረኸትን ንምልማንን ምምኅጻንን እዩ።

ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት ኣሣእል ኴንካ ምጽላይን፡ ናይ ጸጋን ክብርን ስግደት፡ ኣስተብርኮን ኣድንኖ ርእስን ምቕራብ ከም ዝግባእ ቤተ ክርስቲያንና ትምህር።

ንቅዱሳት ኣሥእል ምኽባር ጸጋን ረድኤትን ከምዘውህብ፡ ኣብ ተኣምረ ማርያምን መጽሓፈ ስንክሳርን (10 መስከረም) ዝተጻሕፈ ታሪኽ ብቑዕ ኣብነት እዩ። ጼዴንያ ኣብ ትበሃል ሃገር ሓንቲ ማርታ ዝስማ ሃብታም መበለት ነበረት። ማርታ፡ ነቲ ‘ምንተ ይበቍዖ ለሰብእ ለእመ ኵሎ ዓለመ ረብኀ ወነፍሶ ኀጕለ’ (ማቴ. 16፡26)ዝብል ኣምላኻዊ ቓል ንምትግባር ገንዘባ ኣብ ጽድቂ ተውዕለሉ መንገዲ ሓሰበት። ቤቶም መዕረፊ ኣጋይሽ ዝገበሩ ንሥሉስ ቅዱስ ዘአንገደ ኣቦና ኣብርሃም፣ ንኽልተ መላእኽቲ ዘኅደረ ኣቦና ሎጥ ከምኡ’ውን ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምቕባል ብቕዕቲ ኾይና ዝተረኽበት ማርታ ኃውቲ ኣልኣዛር ዘከረት። በዚ ኸኣ መዕረፊ ኣጋይሽ ኣሕኒፃ ብትግሃትን ፍቕርን ትቕበል ነበረት። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ ነቶም ኣብ ቤታ ዝኃደሩ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኸይድን ሥእለ እግዝእትነ ማርያም ገዚኡ ዘምጽኣላን እንተሎ ብንብዓት ሓተተቶም። ሓደ ካብቶም ኣጋይሽ፡ ኣባ ቴዎድሮስ ዝበሃል መነኮስ በቲ ኣብ እግዝእትነ ማርያም ዘለዋ ፍቕሪ ተመሲጡ፡ ‘ኣነ ኸይደ ገዚአ ከምጽኣልኪ እየ፡ ምስ ተመለስኩ ኸኣ ክንዲ’ቲ ዝገዛእክዎ ትኸፍልኒ’ በላ። ንሳ ድማ እግሩ እናሰዓመት ኣምሪራ ተማኅፀነቶ። ንጽባሒቱ ኣባ ቴዎድሮስ ናብ ኢየሩሳሌም ከይዱ፡ ኣብቲ ዝደለዮ ቦታ ምስ በጽሐ ሥእለ እግዝእትነ ማርያም ገዝአ። “ወይእቲ ሥእል ትትበሀል ሉቃስ ወንጌላዊ ዘሠኣላ/ እታ ሥእሊ ድማ ወንጌላዊ ሉቃስ ዝሠኣላ እያ ትበሃል” ኣባ ቴዎድሮስ ነዛ ሥእሊ’ዚኣ ኂዙ መንገዱ ናብ ጼዴንያ ኣቕንዐ። 

ኣብ መንገዲ ኸሎ ሃንደበት ኣንበሳ እናጠሓረ ናብኡ ገጹ መጽአ። ኣብ ፍርህን ስንባደን ከሎ ግና እታ ምስኡ ዝነበረት ሥእለ እግዝእትነ ማርያም ሾብዓተ ኢድ ካብ ድምፂ ኣንበሳ ዝብትርዕ ድምፂ ኣስመዐት እሞ እቲ ኣንበሳ ሰንቢዱ ሃደመ። ካብኡ ኅልፍ ምስ በለ’ውን ምስራቕን ምቕታልን ዝልማዶም ሸፋቱ ዓገትዎ እሞ ዳግማይ ካብታ ሥእሊ ብርቱዕ ድምፂ ወፂኡ ነቶም ሸፋቱ ኣህደሞም። ኣባ ቴዎድሮስ ነዚ ዘደንቕ ተኣምራት ምስ ረኣየን ምስ ሰምዐን፡ ‘እዛ ሥእሊ’ዚኣ ንኣይ ረዳኢት ክትኮነኒ ናብ ሃገረይ ምድረ ኣግዓዚ ክወስዳ ኣሎኒ’ ኢሉ ናብ ሃገረ ጼዴንያ ትወስዶ ገዲፉ ናብ ሃገሩ ትወስዶ መርከብ ተሰቕለ። እታ ዝተሰቕላ መርከብ ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ በጽሐት፡ ንፋሰ ኣውሎ ማዕበል እናገፍዐ ናብ ሃገረ ጼዴንያ ኣብጽሓ። ሽዑ ኣባ ቴዎድሮስ ንማርታ ከይነገራ ኣብ ቤታ ኃደረ። ንጽብሒቱ እቶም ኵሎም ነጋዶ ብሓንሳብ ኃዲሮም ነናብ ዓዶም ወፂኦም ኪኸዱ ኸለዉ ንኣባ ቴዎድሮስ ግና መውፅኢ ማዕጾ ጠፊእዎ ተመልሰ። ማርታ ብኸምዚ ንሠለስተ መዓልቲ ክመላለስ ምስ ረኣየቶ ‘እንታይ ኮይንካ ኢኻ፡ ደኃን ዲኻ፧’ ምስ በለቶ፡ ኣባ ቴዎድሮስ ድማ ብኅፍረት ‘ሥእለ እግዝእትነ ማርያም ገዚአ ከምጽኣልኪ ዝተማኅጸንክኒ ኣነ እየ’ በላ። ኵሉ’ቲ እታ ሥዕሊ ካብ ዝገዝኣ ጀሚራ ዝገበረቶ ተኣምራት ነጊሩ ሃባ። ንሳ ድማ ብሓጐስን ምስጋናን ስግደትን ተቐቢላ ብኽብሪ ኣንቢራ፡ ለይትን መዓልትን ብየማንን ጸጋምን ቀንዴል ተብርሃላ ነበረት። እታ ሥእሊ ሥጋ ለበስ ትመስልን ካብታ ሥዕሊ ወዝ ዘይቲ ይወፅእን ነበረ። ካብዚ ዘይቲ እዚ ዝተቕብኡ ድማ ካብ ሕማሞም ይሓውዩ ነበሩ።

ኣብ ኵሉ ዓለም ብ10 መስከረም ሥዕለ እግዝእትነ ማርያም ናብ ቤት ማርታ ከም ዝመጽአት ምስ ተሰምዐ፡ እዛ ዕለት’ዚኣ ብሊቃነ ጳጳሳት ክትብዓል ተሠርዐት። 

ሰላም ለሥእልኪ ሶበ ጸለየት ማርታ፡

ዘአጽነነት ርእሳ ከመ ትትመጠው ስእለታ፡

ምክሐ ታዴዎስ አንቲ ወሞገሰ ቶማስ ስሙየ መንታ፡

አመ ኢታድኅን እም ወለታ ወአመ ታገብእ ምድር ማኅፀንታ፡

ይኩነኒ ጸሎትኪ ሐገፋ ወወልታ። 

ጸሎታ ወበረከታ ወምሕረተ ፍቁር ወልዳ ያድኅነነ እመከራ ሥጋ ወነፍስ ለዓለመ ዓለም።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195