
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
በዓለ ፍልሰታ ለማርያም
ዓመት መጽአ 16 ነሓሴ፡ ትንሣኤን ዕርገትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብምዕሩግ ሥነ ሥርዓት ይኽበር። ነዚ ሓደ ካብ 33 በዓላተ ማርያም ዝኾነ በዓለ ፍልሰታ፡ “ተንሥእ እግዚኦ ውስተ ዕረፍትከ አንተ ወታቦተ መቅደስከ/ ኦ ጐይታ ናብ ዕረፍትኻ ተንሥእ፡ ንስኻን ታቦት መቕደስካን” እናበሉ ሕዝበ ክርስቲያን ብምስጋናን ውዳሴን የኽብርዎ። (መዝ. 132፡8)
በዚ ዕለት’ዚ ዓቢይ ሓጐስን ፍሥሓን ኮነ። እዚ ድማ ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ፍቁር ወዳ ኻብ መቓብር ተፈልያ ዝተንሠኣትሉን፡ ናብ ሰማይ ዓሪጋ ኣብ የማን ወዳ ዝቆመትሉን ዕለት ስለዝኾነ እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ወዳ ተንሢኣ ስለ ዝዓረገት ከም ካልኦት ጻድቃን ትንሣኤ ኣይትጽበን እያ።
ከምኡ’ውን እዚ ዕለት’ዚ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ፍቁር ወዳ “ በዛ ዕለት’ዚኣ (16 ነሐሴ) ተዝካርኪ ዝገበረ፡ በዓለ ዕርገትኪ ዘብዓለን ዘኽበረን ከምኡ’ውን በዛ ዕለት’ዚኣ ቅዱስ ቍርባን ዝተቐበለ ኣነ ኃጢኣቱ ክድምስሰሉ ፣ ምሕረተይ ክህቦ፣ እሳተ ደይን ድማ ኣይከርእዮን እየ . . . ” ዝብል ቃል ኪዳን ዝተቐበለትሉ ክቡር ዕለት እዩ።
በረከተ ጸሎታ ውኩፍ፡ ወሀብተ ረድኤታ ትሩፍ፡ ወምሕረተ ፍቁር ወልዳ ምልዕተ አጽናፍ፡ የሀሉ ምስለ ኵልነ ሕዝበ ክርስቲያን ለዓለመ ዓለም አሜን።
ብእግዚአብሔር ቅቡል ዝኾነ በረኸት ጸሎታን ሃብተ ረድኤታን ክሳዕ ጽንፊ ዝመልአ ምሕረት ፍቁር ወዳን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን። ንሃገርና ኤርትራ ድማ ብቓል ኪዳና ይሓልወልና ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን።
ስብሐት ለእግዚኣብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፣ ኣሜን ።