banner

በዓለ ሥዕል ዘጼዴንያ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ ብዝሓፀረ መንገዲ ምርዳእ ይከኣል። ናይ ጐይታና ልደቱን ጥምቀቱን ስቕለቱን ትንሣኤኡን ዕርገቱን ብሥእሊ ገይርካ ምግላጽ፡ ናይ ጐይታና ወንጌለ መንግሥት ድኅነት ዓለም ምስባኽን ምምሃርን እዩ። ኣሣእል ጐይታ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅዱሳን መላእክት፡ ቅዱሳን ሰባትን ቅዱስ መስቀልን ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ቤተ ጸሎት፡ ቤትካ፡ ቅዱሳት መጻሕፍት ምሥኣል ኣብቲ በዓል ቤት ሥእሊ ዘሎካ ክብርን ፍቕርን ንምግላጽ፡ንምስትንታንን ንምዝካርን ከምኡ’ውን ካብቲ በዓለ ቤት ሥእሊ ረድኤትን በረኸትን ንምልማንን ምምኅጻንን እዩ።

ተውሳክ፡ . . .በዓለ ሥዕል ዘጼዴንያ

“ተንሥእ እግዚኦ ውስተ ዕረፍትከ አንተ ወታቦተ መቅደስከ”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ኦ ጐይታ ናብ ዕረፍትኻ ተንሥእ፡ ንስኻን ታቦት መቕደስካን” መዝ. 132፡8

ወርኂ ነሐሴ ኣብ ልቢ ነፍስ ወከፍ ክርስቲያን ፍልይቲ እያ። ምኽንያቱ እዛ ወርኂ’ዚኣ ትንሣኤን ዕርገትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝንገረላ፡ ብእኡ ኣቢልካ’ውን ብጸሎት፡ ጾም፡ ስግደትን ካልእ መንፈሳዊ ተግባራትን ኣብነት ሓዋርያት ብምስዓብ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ናብ እግዚአብሔር ልቦም ዝህቡላ ወርኂ እያ። 

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ምድሪ ሠለስተ ዓመት ምስ ሥድራኣ፡ ዓሠርተ ክልተ ዓመት ኣብ ቤተ መቅደስ፡ ትሽዓተ ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ንጐይታ ፀኒሳ፡ ሠለሳን ሠለስተን ዓመትን ሠለስተ ወርሕን ምስ ጐይታ፡ ዓሠርተ ኃሙሽተ ዓመት ኣብ ቤት ወንጌላዊ ዮሓንስ ድኅሪ ምንባራ ኣብ ስሳን ኣርባዕተን ዓመት ዕድመኣ 21 ጥር 49 ዓ.ም. ዓረፈት።

ተውሳክ፡ . . .“ተንሥእ እግዚኦ ውስተ ዕረፍትከ አንተ ወታቦተ መቅደስከ”

ደብረ ምጥማቅ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ደብረ ምጥማቅ (21 ግንቦት)

ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ምድረ ግብጽ ምስ ተሰደ በኪደተ እግሩ ካብ ዝረገጸን ቦታታት ሓንቲ ደብረ ምጥማቅ እያ። ኣብ ጊዜ ስደት፡ እቶም ሸፋቱ ነቲ ዝወሰድዎ ኽዳን ጐይታና ብርኅራኄ ምስ መለሱላ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንፍቁር ወዳ እናኣመስገነት፡ ነዛ ቦታ ደብረ ምጥማቅ፡ ‘ ፍጹም ቅድስቲ ኩኒ፣ ኣብዛ ቦታ’ዚኣ ኾይኑ ዚጸለየ ብቕልጡፍ ክሰምዖ እየ’ እናበለት ብኢድ ወዳ ባረኸታ። ምእንቲዚ ድማ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብዛ ብስማ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ደብረ ምጥማቅ ኮይኑ ዝጸለየ ዅሉ ጸሎቱ ተሰሚዑ ሓሳብ ልቡ ኪፍጸመሉን ተኣምራት ኪግበረሉን ይነብር ኣሎ።

ተውሳክ፡ . . .ደብረ ምጥማቅ

ባሕቲ ግንቦት፡ ልደተ ማርያም

በሰመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

  ልደተ ማርያም

ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ዝነበረት፣ ገና ከይተወልደት ትንቢት ዝተነግረላ፡ ሱባኤ ዝተቘጽረላን ምሳሌ ዝተመሰለላን እያ። ሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ኣባጊዑ እናሓለወ ኸሎ፡ ነበልባል ምስ ሓመልማል ተዋሓሒዱ፡ እቲ ነበልባል ነቲ ሓመልማል ከየቃጸሎ፡ እቲ ሓመልማል ድማ ነቲ ነበልባል ከየጥፍኦ ርኣየ። (ዘፀ 3:2) እቲ ቐንዲ ምሥጢሩ ነበልባል ናይ መለኮት፡ ሓመልማል ናይ ትስብእት ምሳሌ ኾይኑ ተዋሕዶ መለኮትን ትስብእትን የረድእ። ከምኡ’ውን ከምቲ ቅዱስ ኤፍሬም ዝመሰሎ እቲ ነበልባል ምሳሌ መለኮት ኪኸውን ከሎ እቲ ሓመልማል ድማ ምሳሌ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ። (ውዳሴ ማርያም ዘሠሉስ ወዘኃሙስ)።

ተውሳክ፡ . . .ባሕቲ ግንቦት፡ ልደተ ማርያም

ኪዳነ ምሕረት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ!

ኪዳን ፦ “ተካየደ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኾይኑ፡ “ተመሓሓለ፡ ተሰማምዐ፡ ተወዓዓለ” ማለት እዩ። ኪዳን፥ ንኽልተ ሓደ ዝገብር ናይ ፍቕርን ሓድነትን መሓላ፣ መተኣማመኒ ውዕልን ዘይብተኽ ገመድ ሰላምን እዩ። ብተስፋ ቖይሙ ዝተጻሕፈ፡ ሥርዓት ንዚሓለወን ዜጽንዐን ዓስቢ ዚህብ፣ ንዜፍረሰ ግና ዚጐድእ’ውን ኪዳን ወይ ውዕል ይበሃል እዩ።
‘ኪዳን’፦ ኣብ መንጎ ክልተ ወገን ካብ ደቂ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ሰብን ከኣ ዚፍጸም እዩ። ዓለም ካብ ዚፍጠር፡ ኵሉ ጊዜ እግዚአብሔር ምስ ሰብ ብዝተፈላለየ መንገድን ጊዜን ቦታን ከከም ኣድላይነቱ ቃል ኪዳን ይኣቱን ኪዳኑ ይፍጽምን እዩ።

ተውሳክ፡ . . . ኪዳነ ምሕረት

ኣስተርእዮ ወበዓለ ዕረፍታ ለእግዝእትነ ማርያም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እግዚአብሔር በቲ ዘይምርመር ጥበቡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ንሰብ ከድኅን ኣብ ዝመደበሉ እዋን፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ምኽንያት ናይዚ ግብረ ምድኃን ኮነት። ከመይ! ንሳ ወሊዳ ዘረከበት፡ ሓዚላ ዝተሰደት ምስኡ ከርተት ኢላ ክሳዕ እግረ መስቀል ዝሰዓበት ኣደ እያ።

ግብረ ምድኃን እግዚአብሔር ኣብ እንሓስበሉ እዋን ንኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ክንገድፋ ኣይንኽእል ኢና። እመ ኣምላክ፡ ወላዲተ ኣምላክ፡ እመ ብርሃን . . . እናበልና ንጽውዓን ብኣማላድነታ ንምሕፀንን።
ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ምድሪ ሠለስተ ዓመት ምስ ሥድራኣ፡ ዓሠርተ ክልተ ዓመት ኣብ ቤተ መቅደስ፡ ትሽዓተ ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ንጐይታ ፀኒሳ፡ ሠለሳን ሠለስተን ዓመትን ሠለስተ ወርሕን ምስ ጐይታ፡ ዓሠርተ ኃሙሽተ ዓመት ኣብ ቤት ወንጌላዊ ዮሓንስ ድኅሪ ምንባራ ኣብ ስሳን ኣርባዕተን ዓመት ዕድመኣ 21 ጥር 49 ዓ.ም. ዓሪፋ።

ተውሳክ፡ . . . ኣስተርእዮ ወበዓለ ዕረፍታ ለእግዝእትነ ማርያም

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195