banner

ምሥጢረ ንስሓ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ምሥጢረ ንስሓ

“ጻድቅ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ ሾብዓተ ሳዕ ከኣ ይትንሥእ” (ምሳ. 24፡16)

ንስሓ ማለት ብዝሠርሕዎ ኃጢኣት ምጥዓስ ናብ ገቢረ ኃጢኣት ዘይምምላስ እዩ። “ሰብ ኮይኑ ዘይእብስ ዕንጨይቲ ኾይኑ ዘይነክስ የልቦን” ከምዝተባህለ ቅዱስ ዮሓንስ ሓዋርያ ውን ኣብ መልእኽቱ “ኃጢኣት የብልናን እንተ በልና ንርእስና ንጥብር ኣሎና እታ ሓቂ’ውን ኣባና የለን” ከምዝበለ ክርስቲያን ብኃጢኣት እንተወደቐ ኃጢኣት ኣብ ልዕሊ ኃጢኣት፡ በደል ኣብ ልዕሊ በደል ክውስኽ ዘይኾነስ ቐልጢፉ ብንስሓ ኪትንሥእ ይግባእ። (1ይ ዮሓ. 1፡8) ነዚ እዩ ኸኣ “ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይትንሥእ” ዝተባህለ።

ድኅነት ሰብ እምበር ጥፍኣት ዘይፈቱ መፍቀሬ ሰብ እግዚአብሔር “ግናኸ ኃጥ ሰብ፡ ነቲ ዝገብሮ ዝነበረ ኃጢኣት ኵሉ ገዲፉ እንተ ተመልሰ ኵሉ ሕግታተይ ከኣ እንተ ሓለወ፡ ቅንዕናን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፡ ንሱ ኣይኪመውትን እዩ። ብርግጽ ብሕይወት ኪነብር እዩ። ኵሉ ኃጢኣቱ ኺኅደገሉ እዩ። ጽድቂ ስለ ዝገበረ ኸኣ ብሕይወት ኪነብር እዩ። ብሞት ኃጥእ ዝሕጐስ ድዩ መሲሉኩም፧ ኣይፋልን! ፍታወይሲ ኃጥእ ካብ ክፉእ መገዲ ኺምለስ እሞ ብሕይወት ኪነብር እዩ።” ብምባል ካብ ኃጢኣትና ተመሊስና ብመንገዲ ጽድቂ ክንጓዓዝ ይምዕደና። (ሕዝ. 18፡21-23)

ሰብ ብኃጢኣቱ ተጣዒሱ ኃጢኣት ንዘይምግባር ቁርጽ ዝበለ ውሳነ ብምግባር ኃጢኣቱ ምእንቲ ኪድምሰሰሉ ንእግዚአብሔር ብኃዘንን ብብኽያትን ይቕረ በለለይ ምባልን ምሕረት ምልማንን የድሊ። ኃጢኣትካ ንመምህረ ንስሓ ምንጋር ይግባእ። “ኃጢአትየ ነገርኩ ወአበሳየ ኢኀባእኩ/ ንኃጢኣተይ ነገርኩ፡ ንኣበሳይ ውን ኣይኃባእኩን” ከምዝበለ ቅዱስ ዳዊት (መዝ. 31፡4) ነቲ ክንሠርሖ ዘይኃፈርናሉ ኃጢኣት ከይኃባእና ከይነከና ንልብና ተዓዛባይ ምስክር ንልሳንና ኸሳሲ ንእግዚአብሔር ዳኛ ጌርና እናኃዘንናን እናተጣዓስናን ንርእስና ኽንከስስ ኣሎና።

ንስሓ ምስ እግዚአብሔር ንዕረቐሉ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ንሰጋገረሉ ረቂቕ ድልድል እዩ። ንምሕረቱ ወሰን ንርኅራኄኡ መጠን ዘይብሉ ኣምላኽና ድኽመትና ስለ ዝፈልጥ ብኃጢኣት ተሰናኺልና ኣብ ንወድቀሉ እዋን ብዛዕባ ኃጢኣትና ተጣዒስና በዲልና ኢና መሓረና ይቕረ በለልና ብምባል ፈሊጥና ብድፍረት፡ ከይፈለጥና ብስሕተት ንዝሠራሕናዮ ኃጢኣት ይቕሬታ ክንሓትት’ሞ ናብኡ ክንምለስ ዝሠርዓልና ሥርዓት ንስሓ እዩ።

ንስሓ ኣብ ዝሙት ባሕሪ ኣትዩ ንዝሕምብስ ዝነበረ ዘማዊ ድንግል፣ ደም ከፍስስ ሰብ ኪሃርም (ክቐትል) ንዝነበረ ሽፍታ ንጹሕ ትገብር ሥርዓት እያ። በቶም ካብ ኃጢኣት ዝምለሱ ሰባት ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሠራዊተ መላእክት ከይተረፉ ይሕጐሱ እዮም። “ንስሓ ብዚኣቱ ሓደ ኃጢኣተኛ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ይኸውን” (ሉቃ. 15፡7)

ካብ ቤት ኣቦኡ ተፈልዩ ዝነበረ ቘልዓ ናብ ኣቦኡ ምምላሱ፡ ምሳሌ ናይቶም ብምኽንያት ኃጢኣት ካብ እግዚአብሔር ኣቦና ካብ መንበሪና ቤተ ክርስቲያን ንርሕቕ ሕዝበ ክርስቲያን እዩ። (ሉቃ. 15፡11-32) ብንስሓ ናብ እግዚአብሔር ክንምለስ ከሎና ብምኽንያት ኃጢኣት ስኢንናዮ ዝነበርና ጸጋ እግዚአብሔር መሊስና ንጓናጸፎ። ንሥጋኡን ደሙን ንምቕባል ውን ንበቕዕ። ይቕረ በሃሊ ኣምላኽና ብዝገበርናዮ ኃጢኣት ከይንዓቐናን ከይፈንፈነናን ንበደልና ይቕረ ኢሉ ብጸጋኡ ብምሕረቱ ይርእየና። “ኃጢኣትና እንተ ተናዘዝና ንኃጢኣትና ይቕረ ክብለልና ካብ ዓመጻ’ውን ከንጽሓና ዝተኣመነ ጻድቕ እዩ” (1ይ ዮሓ. 1፡9) “እምበኣርስ እግዚአብሔር ንኣሕዛብ ድማ ንሕይወት ዝኸውን ንስሓ ሂብዎም” ከምዝተባህለ (ግብ.ሓዋ. 11፡18) ብምኽንያት ኃጢኣት ምዉታን ንዝኾኑ ኵሎም፡ ሕይወት ምእንቲ ክረኽቡ ንስሓ የድልዮም እዩ።

ከምቲ ንዝሓመመ ሰብ ናብ ሓኪም ከይዱ ሕማሙ ምስ ነገሮ እቲ ሓኪም እቲ ሕሙም ዝነገሮ ሰሚዑን መርሚሩን ንሕማሙ ዘድኅን መድኃኒ ዝህቦ ናብ ካህን ዝኸደ ተነሳሓይ’ውን “ፈሊጡ ብድፍረት ከይፈለጠ ብስሕተት” ዝገበሮ ገሊጹ ምስ ተዛረበ፡ እቲ ካህን ቀኖና ይህቦ። ቀኖና ማለት ንንስሓ ዝወሃብ መቕጻዕቲ ማለት’ዩ። ንኃጢኣቱ ገሊጹ እንድኅሪ ዘይተዛሪቡሉን ዘይተጣዒሱን “ከምቲ ንሕማሙ ዝኃብአ መድኃኒት ኣይርከበሉን’ዩ።” ዝተባህለ ፍጹም ድኅነት ክረክብ ኣይኽእልን’ዩ። ስለዚ ካብ ልቢ ምምላስ ብዝኃለፈ ኃጢኣት ምጥዓስን ነዚ ኻብ ዝኣመሰለ ኃጢኣት ንምሕላው ቁርጽ ዝበለ ሓሳብ ምግባር ንስሓ ይበሃል። ጥበበኛ ሰሎሞን “ንኃጢኣቱ ዝኃብእ ኣይለምዕን ዝናዘዙን ዝገድፉን ግና ምሕረት ይረክቡ” ብምባል ኃጢኣትና ንካህን ምንጋር ከምዝግባእ ኣረዲኡ’ዩ። (ምሳ. 23፡13) ።

ኣገልግሎት ምሥጢረ ንስሓ

ንስሓ ከም ኵሉ ካልእ ምሥጢር ብኣገልግሎት ካህናት ዝፍጸም ምሥጢር እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንካህናት ንስሓ ናይ ምቕባልን ኃጢኣት ናይ ምስትስራይን ሥልጣን ከምዝሃቦም ከረጋግጸልና “ኃጢኣቶም ንዝኃደግኩምሎም ይኅደገሎም ንዝኃዝኩምሎም ከኣ ይተኃዘሎም” ኢሉ እዩ (ዮሓ. 20፡23) እዚ ሥልጣን እዚ ከኣ ንሓዋርያት ጥራይ ዘይኮነ ክሳዕ ዕለተ ምጽኣት ንዝሥየሙ ካህናት ዝተነግረ’ዩ። ጐይታ ንሓዋርያቱ “ክሳዕ ፍጻሜ ዓለም ምሳኻትኩም’የ” ምባሉ ነዚ ዘገንዝበና’ዩ። ብጥምቀት ደቂ ሥላሴ ንዝኾንና ብሽሙ ንጽዋዕ ኵልና “እምበኣር ካበይ ከምዝወደቕካ ዘክር ተነሳሕ እንድኅሪ ዘይተነሲሕካ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍርኡ ከዝብሎ’የ” ኢሉ ጐይታና የተሓሳስበና (ራእ. 2፡5-6) ካህናት ናይ ሕይወት መደያየቢ ኮይኖም ናይ ሕዝቢ ንስሓን ልመናን ናብ እግዚአብሔር፣ ነቲ ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ከኣ ናብ ሕዝቢ ዘብጽሑ እዮም። ንዅሉ ብኃጢኣት ዚዕንቀፍ ንስሓ የድልዮ። ብኣንብዐ ንስሓ (ብንስሓ ንብዓት) ምሕጻብ ፍጹም ንጹሕ ይገብር ናይ ንስሓ ጥምቀት ብንብዓት ምሕጻብ’ዩ። ነዚ ኸኣ ነቢይ ዳዊት “ለይቲ ለይቲ ንመደቀስየይ ኣርሕሶ ንመንጸፈይ ብንብዓት ኣጠልቅዮ” ዝበለ። (መዝ. 6:6)

ብንስሓ ዝወሃብ ቀኖና ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ይፍጸም። እቲ ተነሳሒ ንመምህረ ንስሓ ይነግር። መምህረ ንስሓ ናይ’ቲ ተነሳሒ ዓቕሚ መዚኑ ናይ ጾም፣ ናይ ጸሎት፣ ናይ ስግደት ናይ ምጽዋት መቕጻዕቲ ይህቦ ነዚ ኸኣ ጊዜ ይውሰነሉ። ተነሳሒ ናይ ቀኖና ጊዜ ምስ ተወድአ ናብ መምህረ ንስሓ ተመሊሱ ኸምትእዛዙ ኸምዝፈጸመ ይነግሮ። እቲ ካህን ከኣ ፍትሓት ሂቡ (ናዚዙ) ሥግ2ኣኡን ደሙን ኣቐቢሉ ምስ ምእመናን ክሕወስ ይፈቕደሉ።

ሥርዓት ንስሓ፦ ብኃጢኣት ኣብ ዝወደቕናሉ እዋን ዚፍጸም ብምዃኑ ዚድገም ምሥጢር’ዩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195