banner

ኣብ ኣካዳምያዊ ሃገራዊ መርመራ ዓሰርተው ክልተ ክፍሊ፡ ምሉእ ነጥቢ ዘምጽኡ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም መተባብዒ ሥልማትን ቡራኬን ተዋሂቦም!

ኣብ ኣካዳምያዊ ሃገራዊ መርመራ ዓሰርተው ክልተ ክፍሊ፡ ምሉእ ነጥቢ ዘምጽኡ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም መተባብዒ ሥልማትን ቡራኬን ተዋሂቦም!

ቀዳም 29 ሐምሌ 2009 ዓ.ም.፡ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ኣባላት መንበረ ፓትርያርክ፡ ኣባላት ሰበኻ ጉባኤ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን፡ ኣካላት መንግሥቲ፡ መምህራን፡ ተማሃሮን ወለድን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡- ነቶም ምሉእ ነጥቢ ዘምጽኡ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም መተባብዒ ሥልማትን ቡራኬን ተዋሂቡ።

ተውሳክ፡ . . . ኣብ ኣካዳምያዊ ሃገራዊ መርመራ ዓሰርተው ክልተ ክፍሊ፡ ምሉእ ነጥቢ ዘምጽኡ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም...

ክብረ በዓል ኣቡነ ሰላማ 2009 ዓ.ም. ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ኣቡነ ሰላማ 2009 ዓ.ም. ተባዒሉ!

ዓመት መጸ ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣቡነ ሰላማ ዝኽበር 26 ሐምሌ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክዝከር ከሎ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ደብረ መድኃኒት ኣቡነ ሰላማ ዛግር ብድምቀት ተባዒሉ። ካብ በረኸትን ቃል ኪዳንን ኣቡነ ሰላማ ንምስታፍ፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝመጹ ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን፡ ተረኺቦም ነይሮም።

ተውሳክ፡ . . .ክብረ በዓል ኣቡነ ሰላማ 2009 ዓ.ም. ተባዒሉ!

ኃለፍትን ወከልትን ሠራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ኣቡነ እንጦንዮስ በጺሖም!

ኃለፍትን ወከልትን ሠራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ኣቡነ እንጦንዮስ በጺሖም!

“ናሁ ሠናይ ወናሁ አዳም ሶበ ይሄልዉ አኃው ኅቡረ/ ኣኅዋት ብሓደ ኽነብሩ ሠናይን ጽቡቕን እዩ” (መዝ. 133፡1)

ኃሙስ 20 ሐምሌ 2009 ዓ.ም. / 27 ሐምሌ 2017 ዓ.ም.ፈ ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ሀገረ ስብከት ዓንሰባን ፣ ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ዝተመርሑ ኃለፍቲ ክፍልታትን ወከልቲ ሠራሕተኛታትን መንበረ ፓትርያርክ ናብ መንበር ቤት ኣቡነ እንጦንዮስ ብምኻድ ናይ መንፈሳዊ ሰላምታን እክለ ማይን መደብ ኣካይዶም።

ተውሳክ፡ . . .ኃለፍትን ወከልትን ሠራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ኣቡነ እንጦንዮስ በጺሖም!

ተመረቕቲ ላዕለዎት ትካላት ኣካዳማያዊ ትምህርቲ ናይ 2009 ዓ.ም. ጉባኤ ኣካይዶም!

“እዚ ኾይነዮ ዘሎኹ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ኾይነዮ ዘሎኹ” 1ይ ቆሮ. 15፡ 10

ሰንበት 16 ሐምሌ 2009 ዓ.ም. ተመረቕቲ ላዕለዎት ትካላት ኣካዳማያዊ ትምህርቲ ናይ 2009 ዓ.ም. ኣብ ትሕቲ “እዚ ኾይነዮ ዘሎኹ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ኾይነዮ ዘሎኹ” 1ይ ቆሮ. 15፡ 10 ዝብል ቴማ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ኣካይዶም።

ብመሠረት መርሓ ግብር፡ ፡ ተመረቕትን ወለዲ ተመረቕትን፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ምስ ተጋብኡ፦ ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ. ጉባኤ ብጸሎት ጀሚሩ።

ተውሳክ፡ . . .ተመረቕቲ ላዕለዎት ትካላት ኣካዳማያዊ ትምህርቲ ናይ 2009 ዓ.ም. ጉባኤ ኣካይዶም!

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኣቡነ ጳውሎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ሀገረ ኬንያ ተራኺቦም!

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኣቡነ ጳውሎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ሀገረ ኬንያ ተራኺቦም!

ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ዝመርሕዎም ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ነታ ናይ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ንሠለስተ ዓመት ዝኣክል ሕዝበ ክርስቲያን ኤርትራ ንኺግልገሉላ ፍቓድ ዝሃቡ ኣቡነ ጳውሎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ናይቲ ኣብ ቀጽሪ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን

ተውሳክ፡ . . .ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኣቡነ ጳውሎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ሀገረ ኬንያ ተራኺቦም!

መመረቕታ ሓድሽ ሕንፃ ቤተክርስቲያን ሐመረ ኖኅ ኪዳነ ምሕረት ናይሮቢ ሃገረ ኬንያ ብድሙቕ ሥነ ሥርዓት ተጸምቢሉ!

መመረቕታ ሓድሽ ሕንፃ ቤተክርስቲያን ሐመረ ኖኅ ኪዳነ ምሕረት ናይሮቢ ሃገረ ኬንያ ብድሙቕ ሥነ ሥርዓት ተጸምቢሉ!

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መመረቕታ ሓድሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ሐመረ ኖኅ ኪዳነ ምሕረት ናይሮቢ ሃገረ ኬንያ፡ ዕለት 16 ሓምለ 2009 ዓ.ም. ካብ ኤርትራ ዝመጹ ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ቀሲስ በረከት ኪዳነ ከምኡ’ውን ኣብ ሀገረ ኬንያ ዝቕመጡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብድሙቕ ሥነ ሥርዓት ተጸምቢሉ።

ተውሳክ፡ . . . መመረቕታ ሓድሽ ሕንፃ ቤተክርስቲያን ሐመረ ኖኅ ኪዳነ ምሕረት ናይሮቢ ሃገረ ኬንያ ብድሙቕ ሥነ ሥርዓት ተጸምቢሉ!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195