banner

ገምጋም ሥራሕ መንፈሳዊ ኮሌጅ ተኻይዱ!

ገምጋም ሥራሕ መንፈሳዊ ኮሌጅ ተኻይዱ!

ብዕለት 22 ኅዳር 2010 ዓ.ም ኣብ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሓባራዊ ገምጋሚ ጉባኤ ተቓኒዑ። ብናይዚ ኮሌጅ ተሓጋጋዚ ዲንን ኃላፊ ትምህርታዊ ጉዳያትን ኣባ ሲላስ ተመሪሑ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ዝምልከቶም ኃለፍቲ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፣ ኃለፍቲ ክፍልታት ናይዚ መንፈሳዊ ኮሌጅን ኵሎም መምህራንን ተሳቲፎም ነይሮም።


እዚ ጉባኤ’ዚ ኣብ ዝኃለፈ ከባቢ ክልተ ወርኂ ተሰላሲሉ ዘሎ መሥርሕ ትምህርቲ ዝገምገመ፣ ምስቲ ብመቓን ዝተነድፈ ትምህርታዊ መርሐ ግብርን ክሳዕ ሕጂ ንዘሎ ሸፈነ ትምህርትን ዝተዋህበ መርመራታትን ዝዳኅሠሠ፣ ብመንጽር በበይኑ ድኅረ ባይታ ተማሃሮ ኣብ ምምዕርራይ ዓቕምን ግብረ መልሲ ተቐባልነት ትምህርትን ዝግበር ዘሎ ጻዕርን ጐኒ ጐኒ ድማ ዝሰላሰሉ ዘለዉ ንጥፈታትን ዝተገልጸሉ እዩ ነይሩ።

ብዝምልከቶ ኣካል ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፡ ናይ መጻኢ መደባትን ብዘሎ ባጀታዊ ድሩትነት ኣተኵሮ ዝግበረሎም ሥራሓትን ዝርዝራዊ መግለጺ ምስ ተዋህበ፣ ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶን ገምጋምን፡ ከም ጀማሪ ኮሌጅ መጠን ምስቲ ዘለዎ ብዙኅ ሕፅረታት ዛጊት መሥርሕ ትምህርቲ ብጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ፣ ድሌትን ተሳትፎን ተማሃሮ ደሓን ምህላዉ ድኅሪ ምግምጋም ወርኃዊ ገምጋማዊ ጉባኤ ክካየድ ተረዳዲኦም።

ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ንኣስታት 75 ተማሃሮ ኣብ ክልተ መርሓ ግብርታት (ዲግሪን ዲፕሎማን) ብምሕቋፍ መሥርሕ ትምህርቱ ብዕለት 6 ጥቅምት 2010 ዓ.ም. ከምዝጀመረ ይዝከር።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195