banner

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ኰዳዱ አቡነ ብፁዐ አምላክ ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ኰዳዱ አቡነ ብፁዐ አምላክ ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ኰዳዱ አቡነ ብፁዓ አምላክ ዓመት መጸ ፩/1 ታኅሣሥ ከም ዝብዕል፡ ሎሚ ዓመት እውን ብዓቢይ ክብሪ ኣብ ገዳሞም ደብረ ኰዳዱ ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ ተባዒሉ። ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ፡ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ፡ ጳጳስ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ፡ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ፡ ሓላፊ ክፍሊ ኣድያማተ ስብከት ሊቀ ካህናት ዘሚካኤል ኣብርሃምን፡ ኣበምኔት ገዳማትን፡ ሊቃውንት መምህራንን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ ክርስቲያን ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብኣእጋርን ብመካይንን ናብዚ ገዳም ብምምጻእ ናይዚ ክብረ በዓል ተሳተፍቲ ኮይኖም።


ንኽብሪ እዚ በዓል ከኣ ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ክሳዕ ጸሎተ ቅዳሴን ዑደተ ታቦትን ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። ብኣቡነ ባስልዮስ ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ በጺሑ፡ ታቦት ብምስጋናን ምህለላን እናተዓጀበ ምስ ዖደ፡ ሊቃውንት መዘምራን ነቲ በዓል ዝምልከት ጣዕመ ዜማ ኣስሚዖም። ብድኅር’ዚ ሊቀ ካህናት ዘሚካኤል ምስ ታሪኽ ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ እናኣዛመዱ ነቲ በዓል ዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ትምህርቲ፡ “ገዳም ደብረ ኰዳዱ ብኣቡነ ብፁዓ አምላክ ከምዝተመሥረተ፡ ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ብትሕትናን ርድእናን ንነዊኅ ዓመታት ኣብ ደብረ ቢዘን ምስ ጸንሑ፡ ናብ ደብረ ዳሞ ከይዶም ንኃሙሽተ ዓመት ዘሎ ናይ መነኮሳት ገድልን ተግባረ እድን ፈሊጦም ኣብ መበል 42 ዓመት ዕድመኦም ብመንፈሰ እግዚአብሔር ተመሪሖም ናብዚ ደብረ ኰዳዱ ‘ጽልማ’ ከምዝመጹ፡ ኣብዚ ቦታ’ዚ ን30 ዓመት ብጽኑዕ ገድሊ ኣብ ዝነበርሉ’ውን ሠለስተ ሜትሮን ፈረቃን ጉድጓድ ኵዒቶም ለይተ ለይቲ ምእንቲ ከይድቅሱን ንሥጋኦም ከሳቅዩን ብቅድሚኦምን ድኅሪኦምን ሓፂን ሽካል ጌሮም ብጸሎት እናተጋደሉ፡ ቀትሪ ድማ ንሕዝቢ ወንጌል እናመሃሩ፡ ንሕሙማን እናፈወሱ ንእግዚአብሔር ምስ ኣሥመርዎ ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ተገሊጾም፡ ‘ጸሎትካን ገድልኻን ተቐቢለዮ ኣለኹ ይኣኽለካ’ ብምባል ከም ዘጸናንዕዎም’ ድኅሪ ምግላጽ ‘በቲ ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ዝተቐበልዎ ቃል ኪዳን ናይዚ በረኸት ተሳተፍቲ ንኸውን ከምዘሎና ግና ንሕና ምእመናን ነዚ በዓል ፈቃዳተ ሥጋ ገዲፍና ብመንፈሳዊ መዝሙርን ጸሎትን፡ ፍቕርን ሰላምን ከነብዕሎ ኣሎና’ ብምባል ትምህርቶም ፈጺሞም። ብድኅሪ ትምህርቲ ምህለላ ተገይሩ፡ ታቦት ብኽብሪ ተዓጂቡ ኣብ ቅዱስ መንበሩ ምስ በጽሐ ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195