
ንጽሙማን ዕላማ ዝገበረ መደብ ተጀሚሩ!
ጽሙማን ምእመናንን ምእመናትን መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ስብከተ ወንጌልን ንኽረኽቡ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዝሃቦ መምርሒ መሠረት፡ ካብ መንፈሳውያን ክፍልታት ዘመንበረ ፓትርያርክ ኮሚተ ቆይሙ፡ ንሰበኽቲ ወንጌልን ኣመኃደርትን ናይ ኣብያተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ኣሥመራ መግለጺ ድኅሪ ምውሃቡ ከም መጀመሪ ብዕለት 1 ታኅሣሥ 2010 ዓ.ም. ኣብ ኣዳራሽ ፍኖተ ብርሃን ንጽሙማን ዕላማ ዝገበረ ጉባኤ ተኻይዱ።
"ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ" (ማቴ. 4፡16) ብዝብል መሪሕ ቃል፡ ኣብ ኣሥመራ ዝርከቡ ጽሙማንን ካልኦትን ዝተሳተፍዎ ጉባኤ፡ ካብ ሰዓት 4፡00 ድ.ቀ. ጀሚሩ ክሳዕ ሰዓት 6፡00 ድ.ቀ. ብምልክት ቋንቋ ጽሙማን እናተተርጐመ ጸሎትን ስብከትን መዝሙርን ዘጠቓልል መደብ ነይሩ።
እቲ ጉባኤ ብጸሎት ተጀሚሩ ናይ ዕለቱ ወንጌል ምስ ተነበ፡ ፈውሰ ሥጋ መግበ ነፍስ ዝኾነ ቃለ እግዚአብሔር "ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ወፀሎም" ብዝብል ኣርእስቲ ትምህርቲ ተዋሂቡ። ቀጺሎም መዘምራን ቤት ትምህርቲ ሰንበት ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ንሕልና ሰማይ ዝምስጥ ሠለስተ መዛሙር ከቕርቡ ከለዉ እቶም ጽሙማን ድማ ብምልክት ቋንቋ ጽሙማን እናተረድኡ ብምልክትን ጣቕዒትን ይዝምሩ ነበሩ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ጸሎተ ምህላ ተገይሩ፡ ብጸሎትን ቡራኬን ተዛዚሙ።
እዚ ንጽሙማን ዕላማ ዝገበረ ጉባኤ’ዚ ንጽሙማን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብርሃን ዝወፀሎም ዕለት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኵሎም ጽሙማን ዓቢይ ቆላሕታ ተገይርሎም በብክልል ሰበኸኦምን ሃገረ ስብከቶምን ተጠርኒፎም ብምልክት ቋንቋ ጽሙማን እናተተርጐመሎም ትምህርተ ሃይማኖት ክመሃሩ ከምኡ’ውን ብዙኅ ክእለት ኢደ ጥበባት ዘለዎም ብምዃኖም ኣብ ልምዓታዊ መደባት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክሳተፉ ይግባእ። ከምዝፍለጥ፡ ብዙኃት ጽሙማን ደቂ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሰኣን ምሂሩ ዘጽንዖምን ዝጓስዮምን ካብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ተነጺሎም ብሕሊናን ብኣካልን ካብ ሃይማኖቶም ርኂቖም ጸኒሖም እዮም።