
ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ወአቡነ ሳሙኤል ብመንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!
ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤልን ኣቡነ ሳሙኤልን ብዕለት 12 ታኅሣሥ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክበዓል ከሎ ብፍላይ ድማ ኣብ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ ደብረ ኃይል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን፡ ብፁዓን ኣቦታት ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል፡ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ከምኡ’ውን ገዳማውያን፡ መምህራን ሊቃውንት፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብክብ ዝበለ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ።
ብርሃናተ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣገልገልተ እግዚአብሔር ዝኾኑ ሊቃውንት መምህራን ብድሮ ዋዜማ ካብ ሰዓት 11፡30 ቅ.ቀ. ጀሚሮም ነቲ በዓል ዝምልከት ስብሐተ እግዚአብሔር ኣብጺሖም።
ቀጺሉ፡ ምሸት ሰዓት 10፡00 ድ.ቀ. ደወል ተደዊሉ ኵሎም ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ምስ ተጋብኡ ያሬዳዊ ስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍትን ጸሎተ ምህላን ክበጽሕ ምስ ኃደረ፡ ሥርዓተ ዑደተ ታቦተ ሕጉ ለእግዚአብሔር ብብፁዓን ኣቦታትን ሊቃውንትን ለባስያን እናተዓጀበ ተፈጺሙ። ብድኅር’ዚ ታቦት ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፡ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ነቲ በዓል ዝምልከት ለዘብ ከምኡ’ውን ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት መዝሙር ምስ ኣስምዑ፡ ስብከተ ወንጌልን ጸሎተ ምህላን ቡራኬን ብተኸታታሊ ተዋሂቡ።
ብድኅር’ዚ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ብብፁዓን ጳጳሳት ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ በዚ ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮነ።