banner

ክብረ በዓል ኣቡነ መርቆሬዎስ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ኣቡነ መርቆሬዎስ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ዓመት መጽአ 16 ታኅሣሥ ክብረ በዓል ኣቡነ መርቆሬዎስ ፀሓይ ኣብ ገዳሞም ደብረ ድማኅ ዓረዛ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባ ማእከል ዓዲ ስሄል ዝርከብ ብሽሞም ዝጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ።

ኣብ ገዳሞም ደብረ ድማኅ፡ በረኸት ኣቡነ መርቆሬዎስ ንምስታፍ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣማኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ገዳም ዘፍረየቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዘገልግሉ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ብእግሪን ብመኪናን ዝመጹ ውሉደ ክህነትን ምእመናን ምእመናትን ተሳቲፎም ነይሮም።


ከም ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዋዜማ ነቲ ዕለት ዝምልከት ስብሐተ እግዚአብሔር ወሥርዓተ ዋዜማን ምስ በጽሐ፡ ብዘይ ዕረፍቲ ክሳዕ ሰዓት 10፡00 ድ.ቀ. ናይ ምሸት ብዝተመደቡ ሰበኽቲ ወንጌል ምስ ንባብ ገድለ ኣቡነ መርቆሬዎስ እናተኃኃዙ ኣብ ሃይማኖት ዘጽንዕ ንጸሎት ዘንቅሕ ሰፊሕ ትምህርቲ ተዋሂቡ።

መምህራን ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ብዝግባእ ሥርዓተ ማኅሌትን ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍትን ምስ ኣብጽሑ፡ ሰዓት 11፡00 ቅ.ቀ. ታቦት ብዓቢይ ክብሪ ኣብ ዙርያ ብስም ኣቡነ መርቆሬዎስን ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ዝጽዋዓ ኣብያተ ክርስቲያን ዘይሩ። ሊቃውንት ብያሬዳዊ ዜማ ምስ ኣሸብሸቡ ኃላፊ ስብከተ ወንጌል ዘመንበረ ፓትርያርክ መምህር ስምዖን በየነ፡ “ምንተ ኑመ ወፃእክሙ ትርአዩ ገዳመ/ ኣብዚ ገዳም እንታይ ኽትርእዩ መጺእኹም” ብዝብል ኣርእስቲ ልብ ዝምስጥ ትምህርቲ ተዋሂቡ። መምህር ስምዖን ኣብ ስብከቱ “ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ነቶም ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ነቲ ዝገብሮ ክርእዩ ዝመጹ ሕዝቢ “ምንተኑመ ወፃእክሙ ትርአዩ ገዳመ/ ኣብዚ ገዳም እንታይ ኽትርእዩ መጺእኹም” ከም ዝበሎም ንሕና ኸኣ ሎሚ ናብዚ ገዳም መጺእና ዘሎና በረኸት ናይቶም ፍትወት ዓለም መኒኖም ንእግዚአብሔር ዘገልገሉ፡ ድሌቶም ዘበለ ብጸሎትን ልማኖን ናብ እግዚአብሔር ዘቕረቡ፡ ብርሃን ቤተ ክርስቲያን መቐረት ምእመናን ዝኾኑ ፀሓይ ኣቡነ መርቆሬዎስ ንምስታፍ እዩ’ሞ ኣሰሮም ክንስዕብ ብቃል ኪዳኖም ክንምኅፀን ይግባእ” ብምባል ካብ ገድሊ ኣቡነ መርቆሬዎስ እናጠቐሰ ምሂሩ። ብድኅር’ዚ ሰላመ አብ ተባሂሉ ታቦት ናብ ክብሪ ቦታኡ ምስ ተመልሰ ሥርዓተ ጸሎተ ቅዳሴ በጺሑ ናይቲ በዓል ፍጻመ ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195