banner

በዓለ ጥምቀት ብምዕሩግን ድሙቕን መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ!

በዓለ ጥምቀት ብምዕሩግን ድሙቕን መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ!

“ወእነዝሓክሙ በማይ ንጹሕ/ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም።” ሕዝ. 36፡25

ዓመት መጸ ዝኽበር፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጠምቀሉ 11 ጥር ሎሚ ዓመት’ውን ብምዕሩግን ድሙቕን መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ተኸቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ባሕረ ጥምቀት (ሜዳ ባሕቲ መስከረም)፦ ብፁዓን ጳጳሳት ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ ሀገረ ስብከት ድባርዋ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል ከምኡ’ውን ሊቃውንት መዘምራን፡ ውሉደ ክህነት፡ ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ተባዒሉ።

ነቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽጥመቕ ናብ ማየ ዮርዳኖስ ዝወረዶ ንምዝካር፡ ኣብ ዋዜማ’ቲ በዓል ናይ ኣብ ኣሥመራ ዝርከባ ሸሞንተ ኣብያተ ክርስቲያን ታቦታት ማለት ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም፡ ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ (ዕዳጋ ኃሙስ)፡ ደብረ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል (ኣኽርያ)፡ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል(ቤት መኻእ)፡ ደብረ ግዕዛን መድኃኔዓለም (ገዛ ባንዳ)፡ ደብረ ፀሐይ ኣቡነ ተክለሃይማኖት(ኃዝኃዝ)፡ መካነ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ (ቲራቮሎ)ን ደብረ ምሕረት ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ (ኣኽርያ)ን ናብ ባሕረ ጥምቀት (ሜዳ ባሕቲ መስከረም) ወሪዶም። ናይዚ ምሳሌ ድማ ታቦት ዝተሰከሙ ካህናት ብቅዱስ ዮሓንስ፡ እቲ ናብ ማየ ጥምቀት ዝወረደ ታቦት ድማ በቲ ንኽጥመቕ ናብ ማየ ዮርዳኖስ ዝኸደ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይምሰል።

እዞም ታቦታት ልብሰ ተክህኖ ዝለበሱ ካህናትን ዲያቆናትን እናተመርሑ፡ ሊቃውንት መዘምራን ውሉደ ክህነት ድማ ‘ወረደ ወልድ እምሰማያት ውስተ ምጥማቃት/ ወልድ ካብ ሰማያት ናብ ቦታ መጥመቒ ወረደ’ ብዝብል ያሬዳዊ ዜማ እናኣዝየሙ፡ ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት ብዝተፈላለየ መዛሙር፡ ኣቦታት ብጣቕዒትን ኣዴታት ብዕልልታን ብሓፈሻ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሕዝበ ክርስቲያን እናዓጀቡ ኣብ ባሕረ ጥምቀት በጺሖም።

ብመሠረት መርሓ ግብር ሰዓት 4፡30 ድ.ቀ.፡ ታቦታት ኣብ ናይ ክብሪ ቦታኦም ምስ ቆሙ፡ ሰብ ተራ ሊቃውንት ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ ፡ ደብረ ፀሓይ ኣቡነ ተክለሃይማኖትን መካነ ሰማእት ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ መዘምራን “በፍስሓ ወበሰላም ወረደ ወልድ ውስጠ ምጥማቃት” እናበሉ ኣሸብሺቦም። ቀጺሉ ሰላመ ኣብ ተባሂሉ ቡራኬ ኣቡነ ጴጥሮስ ታቦታት ኣብ ዝተዳለወሎም ድንኳን ተቐመጡ።

ካብ ሰዓት 5፡00 – 9፡00 ድ.ቀ. ብተኸታታሊ ብመምህር ጉርጃ፡ ብመሪጌታ ሚኬኣኤሌ ብመሪጌታ ኪዳነ ማርያም ብመሪጌታ ኤፍሬም ነቲ ዕለት ዝምልከት ትምህርቲ ክወሃብ ኣምስዩ።

ካብ ሰዓት 9፡00 ድ.ቀ. ጀሚሮም ናብ 11 ጥር ዘውግሕ ለይቲ፡ ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ያሬዳዊ ማኅሌትን ስብሓታትን ከብጽሑ ከለዉ፡ ምእመናንን ምእመናትን ድማ ብጸሎትን ምህለላን ነቒሖም ኃዲሮም።

ካብ ሰዓት 5፡00 – 7፡30 ቅ.ቀ ብብፁዓን ጳጳሳት ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተፈጸመ ፡ ናብቲ ብተምሳል ማየ ዮርዳኖስ ዝተዳለወ ማየ ጥምቀት ኵሎም ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ከቢቦም፡ ውዳሴ ማርያም ደጊሞም፡ ጸሎተ ቅዳሴን ጸሎተ ኪዳንን ኣብጺሖም። ብድኅር’ዚ ሠለስተ ዲያቆናት ‘ባሕርኒ ርእየት ወጐየት ወዮርዳኖስኒ ገብአ ድኅሪሁ ኣድባር አንፈርዓጹ ከመ ሐራጊት/‘ባሕሪ ርእያቶ ሃደመት፡ ዮርዳኖስ ንድኅሪት ተመልሰት፡ ኣኽራን ከም ደዓውል፡ ኰረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ’ ኢሎም ብስብከት ዜማ ምስ ኣስምዑ፡ ካብ ኣርባዕቲኡ ወንጌል ተነቢቡ። ብበዓል ተራ ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ፡ ደብረ ፀሓይ ተክለ ሃይማኖትን መካነ ሰማእት ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተመርሑ ሊቃውንት ‘በዮርዳኖስ ተጠምቀ ከመ ይፈጽም ሕገ አስተርአየ ገሀደ/ ሕጊ ንኽፍጽም ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ፡ እቲ ዘይርአ መለኮት’ውን ብሥጋ ተራእየ’ እናበሉ ኣዝይሞም። ብድኅር’ዚ ኃላፊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል መሪጌታ ስምዖን በየነ ነቲ በዓል ዝምልከት ኣስተምህሮ ሂቦም። መምህር ስምዖን ኣብ ትምህርቶም “እዚ ዕለት’ዚ ኃጢኣትና ዝተደምሰሰሉ ብሥጋን ነፍስን ካብ ባርነት ዝወጻእናሉ ዕለት ስለዝኮነ ነዚ ዕለት እዚ ነቢይ ሕዝቅኤል ብዓይኒ መንፈስ ብምጥማት “ወእነዝሓክሙ በማይ ንጹሕ/ እግዚአብሔር ብንጹሕ ማይ ክሓጽበኩም ካብ ኣበሳኩንም ኃጢኣትኩምን ከንጽሓኩም እየ” ብምባል ኣብ ት. ሕዝ. 36፡25-29 ጽሒፉልና። ብሓቂ እዚ ዕለት ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ ኣካል ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ካብ ንጽሕት ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥግኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ብምውሳድ ሥጋ ለቢሱ ናብዚ ዓለም ብምምጻዕ ካብ ዝፈጸሞ ናይ ግብረ ድኅነት ዕዮታት ሓደ እዩ። . . . እዚ ዘለናዮ ዘመን ዘመነ ኣስተርእዮ እዩ፡ ኣስተርእዮ ማለት ፍሉይ ምሥጢር ዝተገልጸሉ ማለት እዩ። እቲ ረቂቅ ሙሉዕ ዘይውሰን ኣምላኽ ተወሊዱ ሕጊ መጽሓፋዊን ሕጊ ጠባይኣዊን እናሓለወ በብቕሩብ ድኅሪ ምዕባዩ ኣብ ዮርዳኖጽ ዝተቀብረ ናይ ዕዳ ደብዳቤ ንምድምሳስ ክርስቶስ ኣምላክና ናብ ዮርዳኖስ ብምኻድ ዝሰኣናዮ ክብሪ ክመልሰልና ኃጢኣትና ኵሉ ክድምስሰልና ትሕትናን ሥርዓትን ክምህረና ተጠምቀ። እቲ ናይ ባርነት ደብዳቤና በዛ ዕለት እዚኣ ብምድምሳሱ ካብ ባርነት ናብ ነጻነት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ካብ ሓዘን ናብ ሓጎስ ዝተሰጋገርናሉ ዓቢይ ዕለት እዩ።” እናበሉ ነቲ ዕለት ዝምልከት ሠፊሕ ትምህርቲ ምሂሮም።

ብድኅር’ዚ ብፁዓን ኣቦታት ‘አሐዱ አብ ቅዱስ አሐዱ ወልድ ቅዱስ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ’ ኢሎም ነቲ ማየ ጥምቀት ምስ ባረኽዎ፡ ንዅሉ ኣብቲ በዓል ዝተሳተፈ ንበረኸት ተነጺጉ።

ሊቃውንት መዘምራን ኣብ ቅድሚ ታቦታት ‘ኃዲጎ ተስዓ ወተስዓተ ነገደ ቆመ ማእከለ ባሕር ገብአ ወወፅአ በሰላም’ ዝብል ለዘብ ምስ ኣሸብሸቡ፡ ብድኅር’ዚ መዘምራን ትምህርቲ ሰንበት ነቲ ዕለት ዝምልከት ሠለስተ መዝሙራት ዘሚሮም፡ ኣብ መወዳእታ ብቡራኬ ብፁዓን ጳጳሳት እቲ ሥነ ሥርዓት ሰዓት 10፡30 ድ.ቀ ተዛዚሙ።

ብድኅር’ዚ ታቦታት ከከም ኣመጻጽእኦም ብኽብርን ምዕሩግ ሥነ ሥርዓትን ነናብ ቤተ ክርስቲያኖም ተመሊሶም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195