banner

ክብረ በዓል አቡነ እንድርያስ ዕፉን ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቐት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል አቡነ እንድርያስ ዕፉን ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቐት ተኸቢሩ!

ብኃልዮት ገዳም ደብረ ድማኅ አቡነ መርቆርዮስ እናተኣልየ ዝትንሥእ ዘሎ ገዳም ወግረ ስኂን አቡነ እንድርያስ (ዕፉን) ዝክረ ክብረ በዓለ ዕረፍት አቡነ እንድርያስ ዕፉን 29 ጥር ኣብ ገዳሞም ኣቡነ እንድርያስ ካብ ዝተፈላለየ ገዳማት ዝመጹ መነኮሳት፡ ካብ ርሑቅን ቀረባን በረኸት ኣቡነ እንድርያስ ንምስታፍ ዝመጹ ሊቃውንት ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ።


ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ዋዜማ ብድሮ ተቖይሙ። ምሸት ሰዓት 10፡00 ብገዳማውያን ኣቦታት ስብሐተ ሰዓታት ተጀሚሩ፡ ጸሎተ ማኅሌት ብሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ምሉእ ለይቲ ስብሐተ እግዚአብሔርን ንክብሪን ገድሊን አቡነ እንድርያስ ዝገልጽ ስብሓታት ከብጽሑ ምስ ኃደሩ፡ ወጋሕታ ብገዳማውያን ኣቦታት ጸሎተ ቅዳሴ በጺሑ። ብድኅር እዚ ታቦት ብክብሪ ብለባስያን ውሉደ ክህነት ተዓጂቡ ብሊቃውንት ዝማሬ ተሰኒዩ ሠለስተ ጊዜ ዑደት ተጌሩ ኣብ ዝተዳለወሉ ቦታ ደው ምስ በለ፡ ሊቃውንት ነቲ ዕለት ዝምልከት ምስ ኣሸብሸቡ ብመምህር ተስፋ ሥላሴ ነቲ ዕለት ዝምልከት ትምህርቲ ምስ ታሪክ ኣቡነ እንድርያስ ብምትእስሳር ተዋህበ። ኣብ መወዳእታ ሰላመ አብ ተባሂሉ ናይቲ በዓል ፍጻመ ኮነ።

እዚ ገዳም’ዚ ከም ዝፍለጥ ብሰንኪ ዋኅዲ መነኮሳት ደኪሙ ዝነበረ ገዳም እኳ እንተነበረ ሕጂ ግና ፍቃደ እግዚአብሔር ኮይኑ ብኃልዮት ገዳም ደብረ ድማኅ አቡነ መርቆርዮስ፡ መነኮሳት ገዳማውያን ብምስዳድ ትንሣኤ ዘርኢ ዘሎ ኮይኑ ንቀጻሊ ዕቤቱ ድማ ሓገዝ ዘድልዮ እዩ።

ስለዚ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ብጸሎትናን ብምጽዋትናን ብጉልበትናን ነዚን ነቶም ኵሎም ሓገዝና ዝጽበዩ ዘለዉ ሓበን ተዋሕዶና ዝኾኑ ጥንታዊያንን መሠረት ተዋሕዶና ዝኾና ገዳማት ክንሕግዝ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ሓደራ ትብል።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195