banner

ጸብጻብን ገምጋምን ሥራሕ ከምኡ’ውን ሓድሽ ምርጫ ናይ ኣጻራይት ኮሚቴ ኣንጻር ምትእትታው መናፍቕነት ተቓኒዑ!

ጸብጻብን ገምጋምን ሥራሕ ከምኡ’ውን ሓድሽ ምርጫ ናይ ኣጻራይት ኮሚቴ ኣንጻር ምትእትታው መናፍቕነት ተቓኒዑ!

“ተዐቀቡኬ እም ሐሳውያን ነቢያት እለ ይመጽኡ ኀቤክሙ በአልባስ አባግዕ ወእንተ ውሥጦሙሰ ተኵላት መሠጥ እሙንቱ።” ማቴ. 8፡17

ዓርቢ 2 የካቲት 2010 ዓ.ም. (09/02/ 2018 ዓ.ም.ፈ)፡ ናይ ዝኃለፈ 5 ዓመት ጸብጻብን ገምጋምን ሥራሕ ከምኡ’ውን ሓድሽ ምርጫ ‘ኣጻራይት ኮሚቴ ኣንጻር ምትእትታው መናፍቕነት’ ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ተቓኒዑ። ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ኵሎም ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ አበምኔት ገዳማት፡ ኣባላት ጉባኤ ሊቃውንት፡ ኃለፍቲ ክፍልታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፡ ሊቃነ ካህናት ሃገረ ስብከታት፡ ኣመኃደርቲ ሰበካ ጉባኤያት ሀገረ ስብከት ኣሥመራ፡ ኃለፍቲ ኣብያተ ትምህርተ ሰንበትን ካልኦት ዕዱማትን ተሳቲፎም ነይሮም።


ኣብዚ ሓፈሻዊ ጉባኤ እዚ፡ ናይ ኃሙሽተ ዓመት ጸብጻብ ሥራሕ ‘ኣጻራይት ኮሚቴ ኣንጻር ምትእትታው መናፍቕነት ኣብ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን’ ብጸሓፊኣ ኢንጂነር ሰሎሞን ወልዱ ቀሪቡ። ኢንጂነር ሰሎሞን ኣብ ጸብጻቡ ዝተዓመ ሥራሓትን ዘጋጠሙ ጸገማትን ድኅሪ ምቕራብ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ብቕንዓት ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያኑ ክሕሉ ተማሕፂኑ።

ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣጻራይት ኮሚቴ ብሊቃውንት ደልዲላ ሥራሓ ከተዕቢ ከምኡ’ውን ኣብ ኵለን ሃገረ ስብከታት ነዛ ኮሚቴ ዝምግቡ ንኡስ ኮሚቴ ክቐውም፣ ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት ክጸንዓ፡ ስብከተ ወንጌል ክሰፍሕ፡ ሥልጠና ውሉደ ክህነት ክሥራዕ፡ ጕስነት ሕዝበ ክርስቲያን ክድልድል . . .ርኢቶኦም ሂቦም።

ኣብ መወዳእታ እዛ ኣጻራይት ኮሚቴ ኣንጻር ምትእትታው መናፍቕነት ኣብ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሥራሓ ኽትቅጽል ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሠረት፡ ካብ ዝነበሩን ሓደስትን ዘጠቓልል ሓድሽ ምርጫ ኣባላት ኮሚቴ ተገይሩ። ብተጋባእቲ ዝተሓርየት ኣምራጺት ኮሚቴ፥ 4 ካብ ገዳማውያን፣ 4 ካብ ሊቃውንት፣ 4 ካብ ሊቃነ ካህናት፣ 4 ካብ ኣባላት ትምህርተ ሰንበት ብጠቕላላ 24 ሕጹያት ንምርጫ ኣቕሪባ። ካብዞም ሕጹያት ድማ ብድምፀ ምርጫ 12 ቀወምቲ ኣባላትን 4 ተጠባበቕቲ ኣባላትን ተመሪጾም።

ብብፁዓን ኣቦታት ነዞም ዝተመርጹ ሓደስቲ ኣባላት ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ምስ ተዋህበ እቲ ጉባኤ ብጸሎት ተዛዚሙ።



Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195