banner

ንሃገረ ስብከት ኣሥመራ ናይ ዳታ ቤዝ ስልጠና ተዋሂቡ።

ንሃገረ ስብከት ኣሥመራ ናይ ዳታ ቤዝ ስልጠና ተዋሂቡ።

ስልጠና ዳታ ቤዝ ብክፍሊ ዳታ ቤዝን እስታትስቲክስን መንበረ ፓትርያርክን ክኢላታት ደቂ ቤተክርስቲያን (ዲያቆን ኢንጂነር ፍሊጶስ ጸጋይ) ዝተወደበ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ስላሴ ካብ ሰኑይ ዕለት 05 ክሳዕ ዕለት 08/02/2018 ዓ.ም.ፈ. ካብ 24 ኣብያተ ክርስቲያን ንዝተዋጽኡ 58 ኣባላት ንሃገረ ስብከት ኣሥመራ ተዋሂቡ።


ኣብዚ ስልጠና እዚ ንሊቃነ መናብር፡ ጸሓፍቲ፡ ፋይናንስ፡ ሕሳብ ሹም፡ ክፍሊ ንብረትን፡ ወከልቲ ትምህርቲ ሰንበትን፡ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ሰበካ ጉባኤ ኣብ መንፈሳዊ ምምሕዳራዊን ፋይናንሳዊ ሥርሓት ዘገልግል ዘመናዊን ብቁዕ ዝኮነ ዳታ ቤዝን ስነ ኣሃዛዊ ቅማረን ሓበሬታን ፍረ/ዕዮ ግብራውን ክልሰ ሓሳባውን ንጹር ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ዳታ ቤዝ ኣብ መንጎ ሃገረ ስብከትን ሰበካ ጉባኤ ዝጸንሐን ዘሎን ስጡም ዘይኮነ ኣካይዳ ብምእራም ከምቲ ሓደ ምምሕዳር ኣብትሕቲኡ ንዘለዋ ክፍልታት ክህልዎ ዝግባእ ናይ ስራሕ ርክብን መስመርን እዚ ዳታ ቤዝ ውን ናይ ሓታትን ተሓታትን መንፈስ ኣሕዲሩ ኩሉ ጊዜ ሃገረ ስብከት ኣብትሕቲኡ ንዘለዋ ምምሕዳራት ወቕታዊ ዝኾነ ናይስራሕ ርክብ ዝፈጥርን ናይ ምቁጽጻርን ምጽብጻብን መንፈስ ውን ንኽህሉ ዝድርኽ ውን ስለዝኾነ ንመጻኢ ኣዕጋቢ ዝኾነ ናይስራሕ መስመር ብሙካን ሰበካ ጉባኤን ሃገረ ስብከትን ጥቡቅ ዝኾነ ርክብ ንምግባር ከኽእል እዩ።

ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ሰበካ ጉባኤ ዘመናዊ ብዝኾነ ኣገባባት፡ ብናይ ኮምፒተር ቴክኖሎጂ ተሓጊዙ ቅልል ብዝበለ መንገዲ ኣብ ጉዳይ ጸጋ ጥምቀት፡ቃልኪዳን፡ ንብረትን፡ ገንዘብን፡መዝገብ መእመናንን ዝግባእ ሓበሬታ ክእክብ ክኽእል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ኣብ ነፈሲ ወከፍ ኣዕኑድ(Pillars) ንዝቀርበሉ ሕቶታት ብምልኣት መልሲ ከቅርብን መልሲ ክረክብን ይኽእል እዩ።ሃገረ ስብከት ኣብትሕቲኡ ንዝመሓደራ ኣብያተክርስቲያናት ቀጥታዊ ቁጽጽርን

ገምጋምን ክገብር ክኽእል እዩ።

ሰልጠንቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝተወሃቦም ኣስተምህሮ ብውዕዉዕ መንፈስን ልዑል ተሳትፎን ድሕሪ ምዝዛሞም ወረቐት ምስክር ካብ ዲን ኮሌጅ ደ/ሲና ቅ/ስላሴ ኣባ ሲላስ ፡ ከምኡውን ካብ መራሕ ስራሕ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቀ ካህናት መርጌታ ዘርአ ኣስመላሽ ተቐቢሎም። ኣብ መወዳእታ ሰልጠንቲ ንዝተወሃቦም ስልጠና ብምምስጋን ቅድስት ቤተክርስቲያንና ብምምሕዳራዊ ኣካይዳ ተመዝግቦ ዘላ ዓወታትን ተሳትፎ ደቂ ቤተክርስቲያንን ኣብ ምዕባለ ቤተክርስቲያን ብምምስጋንን ኣብቀጻሊ ከምዚ ዓይነት ስልጠናታት ክወሃብን ክሕይልን ተላብዮም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195