banner

ኣካዳሚክ ኮሚሽን መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣኼባኡ ኣቃኒዑ!

ኣካዳሚክ ኮሚሽን መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣኼባኡ ኣቃኒዑ!

ትምህርታዊ ጉዳያት ክግምግምን ክውስንን ስልጣን ዘለዎ ኣካዳሚክ ኮሚሽን መንፈሳዊ ኮሌጅ ረቡዕ 14/05/2010 ዓ.ም (21/02/2018) ኣብ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ገምጋም ቀዳማይ ዕብረ ትምህርቲ ብምክያድ ኣገደስቲ ውሳነታት ኣጽዲቑ።


እዚ ኣኼባ እዚ ብጸሎት ድኅሪ ምኽፋቱ ጸብጻብ ናይ ቀዳማይ ዕብረ ትምህርትን፣ ቀጻሊ ክግበሩ ዝጸንሑ ናይ ገምገማ መስርሓትን (constitute assesment) መጠቓለሊ ውጽኢት ትምህርቶም ብሚእታዊትን ብደረጃን (grade) ብተሓጋጋዚ ዲን ኣብ ሲላስን ጸሓፊኦም ቀሺ ተኽላይን ንኣኼበኛታት ቀሪቡ። ጽማቝ ገምጋም ሥነ ኣኃዝ ውጽኢት ተመሃሮ ድማ ብጽሑፍ ንጉባኤተኛታት ተዓዲሉ።

ጉባኤተኛ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ተመርኲሱ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ዝተወሃበ ዓውደ ትምህርትን (course) ዝተረኽበ ውጽኢትን ኣብ ዝገበሮ ዓሙቕ ገምጋም ተምሃሮ ብተገዳስነት ትምህርቶም ይከታተሉ ከምዘለዉን፡ ውጽኢቶም’ውን ዘዕግብ ምዃኑ ገምጊሞሙ። ነቶም ውሑዳት ትሑት ውጽኢት ዘምጽኡ ተምሃሮ ከኣ ብመሠረት ቅዱስ ሲኖዶስ ዘጽደቖ መምርሒ ኮሌጅ ከመሓይሽዎ ንዝግባእ ነገራት ክሕበሮም ወሲኑ። ተሞክሮ ቀዳማይ ዕብረ ትምህርቲ ብምቕሳም፡ ዝያዳ ኣብ ካልኣይ ዕብረ ክስርሑሎም ዝግብኦም ጉዳያት’ውን ኣስፊሑ ተዘራሪቡ።

እዚ ኮሚሽን’ዚ ተጸዋዕነቱ ንዲን መንፈሳዊ ኮሌጅ ዝኾነ ሓለፍቲ ትምህርታዊ ክፍልታትን ዓውድታትን መንፈሳዊ ኮሌጅ፣ ሓላፊ ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ መንበረ ፓትርያርክ፣ ከምኡ’ውን ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተወከሉ ኣባላት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195