banner

ንመጓሰ ውሉደ ክህነት ንምጥንካር ቀዳማይ ክፋል ሥልጠና ውሉደ- ክህነት ይወሃብ ኣሎ!

ንመጓሰ ውሉደ ክህነት ንምጥንካር ቀዳማይ ክፋል ሥልጠና ውሉደ- ክህነት ይወሃብ ኣሎ!

ንጕስነት ውሉደ ክህነት ንምጥንካርን ሓድነትን ውሕደትን ውሉደ ክህነት ንምፍጣር ንኵሎም ውሉደ ክህነት ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ን15 መዓልታት ዝወስድ ሥልጠና ብዕለት 12 የካቲት 2010 ዓ.ም. (19 የካቲት 2018 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ኣዳራሽ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣሥመራ ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ተጀሚሩ።


እዚ ሥልጠና እዚ ብጸሎት ምስ ተጀመረ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ እዚ ኣብ ጊዜኡን ንጥቅምን ረብሓን ቤተ ክርስቲያን ዝወሃብ ዘሎ ትምህርቲ ብትግሃት ክንመሃሮ ኣሎና፣ ንዝተመሃርናዮ ድማ ብግቡእ ኣብ ጕስነት ምእመናን ከነውዕሎ ሓደራ ብምባል ኣባታዊ ምኽሪ ሂቦም። ብምቕጻል መሪጌታ ስምዖን በየነ ጸሓፊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ብዛዕባ ዕላማን ትኅዝቶን ናይቲ ሥልጠና ሓፂር መግለጺ ሂቦም።

እዚ ሥልጠና እዚ ብማእከልነት ቅዱስ ሲኖዶስ ብውሕደት መንፈሳውያን ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ ዝተዳለወ ኮይኑ እምነትን ሥርዓተ ኣምልኾን፡ ፭ቱ ኣዕማደ ምሥጢር፡ ፯ቱ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን፡ ሥርዓተ መጓሰ - ሥርዓተ ኖላዊን . . .  ዘጠቓልል ትምህርቲ እዩ።

ዕላመ እዚ ሥልጠና እዚ ሓድነትን ውሕደትን ውሉደ ክህነትን ቤተ ክርስቲያንን ምፍጣር፣ ምሉእ መንፈሳዊ ስንቂ ዝዓጠቐ ኖላዊ ከምዝህሉ ምግባር፣ ንርእሱ ተማሂሩ ንኻልኦት ምእመናንን ምእመናትን ዝምህርን ብግቡእ ዝጓስን ካብ መንጠልቲ ተዃሉ መናፍቓን ዝከላከል ውሉደ ክህነት ምምልማል እዩ።

ከም ዝፍለጥ ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ሥልጠና ን5 ወከልቲ ወሉዳ ከህነት ኣብያተ ክርስቲያንናት ኣሥመራ ከምኡ'ዉን ኣብ ክልተ ንኡሳን ሃገረ ስብከት ማእከል በሪኽን ሰረጀቓን ተዋሂቡ ነይሩ እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195