banner

ንውሉደ ክህነት ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ክወሃብ ዝቐነየ ትምህርቲ ተዛዚሙ!

ንውሉደ ክህነት ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ክወሃብ ዝቐነየ ትምህርቲ ተዛዚሙ!

ኣብ ምስፋሕ ስብከተ ወንጌልን ምኅያል ጕስነትን ዘተኮረ ከምኡ’ውን ሓድነትን ውሕደትን ውሉደ ክህነት ንምጥንኻር ዕላማ ዝገበረ፡ ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ውሉደ ክህነት ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ክወሃብ ዝቐነየ ናይ 15 መዓልታት ቀዳማይ ክፋል ሥልጠና ብዕለት 30 የካቲት 2010 ዓ.ም.ግ. ተዛዚሙ።

ኣብቲ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣሥመራ ዝነበረ መዛዘሚ ጉባኤ፡ ብፁዓን ጳጳሳትን ኃለፍቲ ክፍልታት ዘመንበረ ፓትርያርክን ተሳተፍቲ ትምህርትን ተረኺቦም ነይሮም።


ጉባኤ ብጸሎት ምስ ተጀመረ፡ ብኃላፊ ኣገልግሎት ካህናት ሊቀ ካህናት ቀሲስ ሳሙኤል ጸጋይ ብዛዕባ ‘መንፈሳዊ ጕስነት’ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ካብ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን መምህራን ጣዕመ ዜማ ምስ ኣስምዑ፡ መምህር ኣናንያ ቅኔ ተቀንዮም። መምህር ኣናንያ ኣብ ቅኔኦም “ቃልየ አጽምዕ እግዚኦ ወለቡ ጽራሕየ፥ ይትባረክ ዘልፈ ያዕቆብ አምላከ ዮሴፍ ዘሆከ ላዕለ ካህናት ኤፍሬም ወምናሴ በአንሥኦ አእዳው ባረከ” (ዘፍ. 20፥48) ብምባል ከምቲ እግዚአብሔር ኣምላኽና ብመንገዲ ያዕቆብ ንደቂ ወዱ ዝባረኸ፡ ነኣና ድማ ብብፁዓን ኣቦታትና ይባርኸና ዝመልእኽቱ ቅኔ ኣቕሪቦም።

ቀጺሎም ንተሳተፍቲ ሥልጠና ብምውካል ርእሰ ደብር ቀሲስ ምስጉን ነቶም ነዚ ሥልጠና ዝሠርዑን ዝመሃሩን ድኅሪ ምምስጋን ነቲ ዝተመሃርዎ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ምዃኖም ቃል ኣትዮም።

ኣካያዲ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቀ ካህናት ዘርአ ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል “እዚ ክወሃብ ዝቐነየ ሥልጠና ኣብ ጊዜ ዓቢይ ጾም ምስ ምዃኑ ለይቲ ኣብ ጸሎተ ሰዓታትን ስብሐታትን ኃዲርኩም፡ ኣብ ሰዓታት መዓልቲ ድማ ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ ውዒልኩም፡ ከየዕረፍኩም ኣብ ጉባኤ ኽትሳተፉ ምቕናይኩም ነቲ “ወየሐውር እምኃይል ውስተ ኃይል” ዝብል ቃለ እግዚአብሔር ብግብሪ ፈጺምኩሞ። ሕጂ ድማ ኣብ ኣገልግሎትናን ጕስነትናን ክንብርትዕ ይግባእ’ ብምባል መልእኽቶም ኣመኃላሊፎም።

ኣብ መወዳእታ ካብ ብፁዓን ኣቦታት ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ፥ “መራሒና ሓደ እግዚአብሔር እዩ፡ መምርሒና ድማ ሓደ ቅዱስ መጽሓፍ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያና ኸኣ ሓንቲ እያ። እዚ ዝቐነየ ሥልጠና ድማ ነዚ መሠረት ዝገበረ እዩ። ስለዚ እዚ ሥልጠና’ዚ ሓድነትና ዘደልድል ንመጓሰና ኃይሊ ዝህብ እዩ እሞ ‘ገብር ኄር’ ዘብለና ኣገልግሎት ንፈጽም” ብምባል ቃለ ምዕዳን ሂቦም።

እቲ ጉባኤ ድማ ብቃለ ቡራኬን ጸሎትን ተፈጺሙ።

እዚ ብቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ተማእኪሉ ዝምልከቶም ኣካላት መንበረ ፓትርያርክ ብምውሓድ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝተሠርዐ ሥልጠና’ዚ ንሓድነት ቤተ ክርስቲያን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ በቶም ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ዝቐነዩ ተሳተፍቲ ውሉደ ክህነት ተገሊጹ።

ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ነቲ ዝጸንሐ ድኻም ይኣክል ብምባል፣ ንዝጸንሑ ድኻማት ብምልላይ፣ ጕስነት ምእመናን ዝምእከለሉን ዝኅይለሉን፣ ውሉደ ክህነት ኣብ ኣገልግሎቶምን ተልእኾኦምን ዝግባእ ዕጥቂ ዓጢቖም ሓዋርያዊ ተልእኾም ዝፍጽሙሉ ኣገባብ ንምድልዳል ሥልጠናታት ይሠርዕ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ከምዚ ዝበለ ኵሎም ውሉደ ክህነት ዝሳተፍዎ ሥልጠና’ዚ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ካልኣይ ክፋሉ ኪቕጽል፣ ንመጻኢ ድማ ኣብ ኵለን ሃገረ ስብከታት ኪካየድ ከምኡ’ውን በብደረጃኡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰበኻ ቤተ ክርስቲያንን ናብ ማኅበረ ምእመናን ብሥሩዕ ስብከተ ወንጌል ናብ ዝመሃሩሉ ዓውደ ምሕረት ኪባጻሕ ተስፋ ይግበረሉ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195