banner

ዝክረ በዓለ ልደት አቡነ ቡሩከ ኣምላክ ኣብ ገዳሞም ተኸቢሩ!

ዝክረ በዓለ ልደት አቡነ ቡሩከ ኣምላክ ኣብ ገዳሞም ተኸቢሩ!

ዝክረ በዓለ ልደት አቡነ ቡሩከ ኣምላክ ኣብ ገዳሞም ደብረ ኮል ሙራደ ቃል ዕለት 01 ግንቦት ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ። “ነኣኻትኩም ዝቕበል ንኣይ ይቕበል” (ማቴ. 10፡40) ዝብል ኣምላካዊ ቃል መሠረት ብምግባር ካብ ርሑቕን ቀረባን ኣብዚ ገዳም ዝተጋብኡ ገዳማውያንን ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን በረኸት ጻድቕ ኣቡነ ቡሩክ ተሳተፍቲ ኮይኖም።


ካብ ዋዜማ ዕለት 30 ሚያዝያ ዝጀመረ ስብሐተ እግዚአብሔር ናብ 01 ግንቦት ዘውግሕ ለይትን ረፍድን ስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን በጺሑ። ሕልናኻ ሰቒሉ ሰማያት ዝነጥቕ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ ታቦት ብኽብሪ ብለባስያን ተዓጂቡ ብዝማሬ ሊቃውንት መዘምራንን ውዳሴ ኣደታትን እናተሰነየ ሠለስተ ሳዕ ዖደ። ታቦት ኣብ ዝተዳለወሉ ቦታ ምስ ቆመ ሊቃውንት መዘምራን ያሬዳዊ ዜማ ከስምዑ ከለዉ፡ ብሰባኬ ወንጌል ቀሲስ ኣብርሃም ሰፊሕ ስብከት ተዋሂቡ።


እቶም ነዚ ክብረ በዓል ንከድምቑ ዘጋብኡ ኵሎም፡ ብፍላይ ድማ ንዕቤት ገዳም ዝጽዕሩ ዘለዉ ከባቢ ዓድታትን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝቕመጡ ወገናትን ምስጋና ይብጻሕኩም በረከት ኣቡነ ብሩክ ይኽፈልኩም ድኅሪ ምባል ኣበርክቶኦም ክቕጽሉን ካልኦት ክስዕብዎን ዝመልእኽቱ ቃል ገዳም ተነጊሩ። ኣብ መወዳእታ ጸሎተ ምህላን ተገይሩ ታቦት ናብ ክብሪ መንበሩ ምስ ተቐመጠ ብበረኸትን ፍሥሓን ፍጻመ ናይቲ በዓል ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195