banner

ክብረ በዓል ልደተ ማርያም 2010 ዓ.ም. ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ልደተ ማርያም 2010 ዓ.ም. ተኸቢሩ!

ዓመታዊ ክብረ በዓል ልደተ ማርያም ብዓቢይ ድምቀት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ተባዒሉ። ብፍላይ ኣብታ ሎሚ ዓመት በዅሪ ክብረ በዓል ተብዕል ዘላ ልደታ ማርያም ቤተ ክርስቲያን ማይ ኖህ ጤሳ ዓዲ ሰግዶ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ከምኡ’ውን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብድምቀት ተባዒሉ።

ካብ ድሮ እቲ በዓል ሰዓት 2፡00 ድ.ቀ. ብዋዜማ ክጅመር ከሎ፡ ካብ ምሸት ሰዓት 9፡00 ድ.ቀ. - 5፡30 ቅ.ቀ ከኣ ስብሐተ ማኅሌትን ኵሉ ጸሎታትን ብሊቃውንቲ ተመሪሑ ብኣቦታት ካህናትን ተሰንዩ በጺሑ። ካብ ሰዓት 6፡00- 9፡00 ቅ.ቀ. ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ፡

ታቦት ብዝማሬ ሊቃውንትን መዝሙር ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበትን ምህለላ ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ዘይሩ ኣብቲ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ቆይሙ። ሊቃውንቲ ነቲ ዕለት ዝምልከት ጣዕመ ዜማ ከስምዑ ከለዉ፡ ነቲ ዕለት ዝምልከት ስብከት ብሰባኪ ወንጌል መምህር ስምዖን በየነ ምስ ተዋህበ፡ ብኮሚቴ ጤሳ ሐመረ ኖህ ኣብ ዝቐረበ መግለጺ፡ ካብ መሠረት ክሳዕ ኣብዚ በጺሑ ዘሎ ቅንኣተ ቤተ ክርስትያን ብዘለዎም ሕዝበ ክርስቲያን ምዃኑ፡ ዝተረፈ ሥራሕ ብዙኅ ስለዝኾነ ኵሉ ሰብ በብዓቕሙ ከበርክት ከም ዘለዎ ተሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ሰላመ ኣብ ተባሂሉ ታቦተ እግዚአብሔር ብመዝሙር ተዓጂቡ ናብ ክብሪ መንበሩ ምስ ተመልሰ ናይቲ በዓል ፍጻመ ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195