
ጥንታዊ ሰነዳትና ንሓልዎን ንመራመረሉን!
ብማእከልነት ቤት ጽሕፈት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘመንበረ ፓትርያርክ፡ ከምኡ’ውን ብምትሕብባር ማእከል ምርምርን ስነዳን ካብ 2007 ዓ.ም.ፈ. ክሳዕ 2017 ዓ.ም.ፈ. ብዙኅ ጥንታዊ ብራናታትን ኣሣእልን ኢደ ጽሑፋትን ካብ ዝተፈላለዩ ገዳማትን ኣድባራትን ክሳዕ ሕጂ ንኽስነድ ካብ ዝተመዝገበ ልዕሊ 6000 ብራናታትን ካብዚ 180 ብራናታት ብማይክሮፊልም ተሰኒዱ ከም ዘሎ፡ ሥልጠናታትን መዐቀቢ ንብረት ብሓገዝ ከም ዝተዋህበን ብሓፈሻ ዘተስፉ ስነዳዊ ዕዮ ከም ዝተሠርሐ ቀሲስ መኮንን ኃላፊ ክፍሊ ስነዳ ዘመንበረ ፓትርያርክ ከምኡ’ውን ወይዘሮ ኣዜብ ተወልደ ኃላፊት ማእከል ምርምርን ስነዳን ገሊጾም።
እዚ ዝተገልጸ ኣብቲ ብኽፍሊ ምርምርን ስነዳን ተዳልዩ፡ ናይ ሃይማኖት ኣካላትን፡ ምሁራን ስነዳን ታሪኽን፡ ኣባላት ምርምርን ስነዳን . . . ዝተሳተፉሉ ጉባኤ’ዩ። ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ዕማም ስነዳ ክግለጽ ከሎ ዓሚቍ ዘተን ሕቶን ርእይቶን ተገይሩ። ካብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል ዝተመርሑ ወከልቲ ገዳማትን ኣድባራትን፡ ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ ተሳቲፎም ነይሮም።
ኣብተን ጥንታዊ ታሪኽን፡ ብራናታትን ኢደ ጽሑፋትን ሃብታም ትኅዝቶ ዘለወን ገዳማትን ኣድባራትን ካብ 1996 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ናይ ስነዳን ምርምርን ሥራሕ ማለት ካታሎክን ምሥኣል ብራናታት ብማይክሮፊልምን . . . ይካየድ ከምዘሎ ይፍለጥ።