banner

ልዕሊ 1800 ሰባት ዝተሳተፍዎ ጉባኤ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ዃላ ተቓኒዑ!

ልዕሊ 1800 ሰባት ዝተሳተፍዎ ጉባኤ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ዃላ ተቓኒዑ!

ኣብ ዕለተ ርክበ ካህናት 24 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም. ኣብ ዝተቓንዐ ጉባኤ፡ ልኡኽ መንበረ ፓትርያርክ ከምኡ’ውን ካብ 63 ዓድታት ዝተጋብኡ ውሉደ ክህነትን ዓበይቲ ዓድን ኣካላት መንግሥትን ካልኦትን ብሓፈሻ 1800 ተሳተፍቲ ኣብ ቀጽሪ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ገነት ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን (ዓዲ ዃላ) ተረኺቦም ነይሮም።

እቲ ጉባኤ ልክዕ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ. ብጸሎት ምስ ተኸፍተ፡ መራሕ ሥራሕ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ዃላ ሊቀ ትጉሃን ፍጹም ኣስፍሃ ናይ እንቋዕ ደኃን መጻእኹምን ዕላማ ጉባኤን ሓፂር መልእኽቲ ኣስሚዖም።


ኣብዚ ጉባኤ’ዚ፡ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ሥራሕ ዓመተ 2016-2017 ዓ.ም.ፈ. ከምኡ’ውን ዝተዓመ መንፈሳዊ ጕስነትን ኣገልግሎትን ቀሪቡ።

ብልኡኻት መንበረ ፓትርያርክ ኃላፊ ምክትታል ኣህጉረ ስብከታት ሊቀ ካህናት ዘሚካኤል ኣብርሃም ከምኡ’ውን ኃላፊ ስብከተ ወንጌል መሪጌታ ስምዖን በየነ መግለጺ ተዋሂቡ።

ሊቀ ካህናት ዘሚካኤል ኣብርሃም ኣብ መግለጺኦም፥ “ ከምዚ ዝበለ ጉባኤ ሠሪዕካ መሪሕነትካን ሕዝብኻን ኣበይ ከምዘሎ ምፍላጥ ኣሰር ቅዱሳን ኣበው ምስዓብ ስለዝኾነ ምድራዊ በረኸት፡ ሰማያዊ ዓስቢ ዘውህብ ዝምስገን ተግባር እዩ። እዚ ንኡስ ሃገረ ስብከት’ዚ ብዅሉ ምኅደራውን ፋይናንሳውን ኣሠራርሓኡ፡ ኣተኃኅዛ መዛግብትን ቅጥዕታትን ብሃገር ደረጃ ኣብ ዝተገብረ ዑደት ብጽፈቱ ብሉጽ ኮይኑ ተረኺቡ እዩ። ልዑል ብቕዓት ንኽህልዎ ግና ብመንፈሳውን ምኅደራውን መንገዲ ሥልጠናን ደገፍን ዘድልዮ ምዃኑ ዘይሰሓት እዩ። ስለዚ ከምቲ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ መንፈሳዊ ሥልጠና ኣገልገልቲ ውሉደ ክህነት ዝተገብረ ከምኡ ድማ ኣብ ሃገረ ስብከትኩም ክግበር ስለዝኾነ ኵሉ መዳያዊ ምድላዋት ኽትገብሩ የዘኻኽር። . . . ኣብ መወዳእታ እዚ ኣብ ልዕሌና ኣንጸላልዩ ዘሎ መንፈሳውን ሥጋውን ኵነታት ማለት ጉዳይ ውሉድ ክህነት ከምኡ’ውን ኣብ ዘራእቲ ጀራዲን ዝተራእየ ሰጋሚ ባርኖስ ኣዝዩ ኣሰካፊ ስለዝኾነ ብኃይሊ እግዚአብሔር ንኽፍትሓልና ብጸሎትን ምህላን ኽንብርትዕ ይግባእ” ኢሎም።

ኃላፊ ስብከተ ወንጌል መሪጌታ ስምዖን በየነ ብወገኖም “አንትሙ ብርሃኑ ለዓለም/ ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝሃብዎ ትምህርቲ፥ “ ውሉደ ክህነት ኣርኣያን ብርሃንን ኮይኖም ንሕዝበ ክርስቲያን መንገዲ ጽድቂ ክመርሑ፡ ነዚ ገጢሙ ዘሎ እዋናዊ ጸገም ንምፍታሕ ጊዜያት ጸሎት ሠሪዖም ክነቕሑ ይግባእ። . . . ” ኢሎም።

ተሳተፍቲ ጉባኤ ሕቶን ርእይቶን ዝሃብሉ፡ ምዉቕ ዘተን ምርድዳእን ዝዓሰሎ ጉባኤ እዩ ነይሩ። ከምዝፍለጥ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ዃላ፥ 63 ዓድታት፣ 22 ም/ም ኸባቢታት፣ 3 ዓበይቲ ገዳማት፣ 23 ፈዋሴ ድዉያን ማየ ጸሎታት፣ 65,101 ሕዝበ ክርስቲያን፣ 535 ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ዝሓቍፍ፡ ኣብ ሀገረ ስብከት መንደፈራ ካብ ዘለዉ ሽዱሽተ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ሓደ እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195