banner

ሓድሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣንጎላ ብኽብ ዝበለ ሥነ ሥርዓት ተመሪቑ!

ሓድሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣንጎላ ብኽብ ዝበለ ሥነ ሥርዓት ተመሪቑ!

ብዓይነቱን ሥፍሓቱን ጽባቐኡን ብዘደንቕ ግርማ ኣብ ሀገረ ኣንጎላ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያን ብኽብ ዝበለ ሥነ ሥርዓት ተመሪቑ።

ኣብዚ ሥነ ሥርዓት ምረቓ ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝኾኑ ብፁዓን ኣቦታት ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል ካብ ኤርትራ ብምኻድ መሪቖም።

ብፁዓን ኣቦታት ካብ ኣሥመራ ተበጊሶም ብዱባይን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣቢሎም ዓርቢ 17 ግንቦት 2010 ዓ.ም. (25/05/2018 ዓ.ም.ፈ.) ሰዓት 1፡00 ድ.ቀ ኣብ ከተማ ልዋንዳ ምስ በጽሑ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ማኅበረ ኮም ኤርትራውያንን ብክብ ዝበለ ሥነ ሥርዓት ተቐቢሎሞም።

ቀዳም ብ18 ግንቦት 2010 ዓ.ም. (26/05/2018 ዓ.ም.ፈ.) ብብፁዓን ጳጳሳት ሥርዓተ ተቀብኦ ናይዚ ሓድሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ኽግበር ከሎ፡ ብሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ድማ ዋዜማ ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ።

ናብ ሰንበት ዘውግሕ ለይቲ ስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን ክበጽሕ ምስ ኃደረ ብብፁዓን ኣቦታት ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ኣብ ዝተሠርዐ ቅዱስ ቍርባን ብብዝኂ ሕፃናትን መንእሰያትን ብምቕባሎም ካልኦት ኣሰሮም ኽስዕቡ ከምዝግባእ ብፁዓን ኣቦታት ቃለ ምዕዳን ሂቦም።

ብድኅሪ ጸሎተ ቅዳሴ፡ በቶም ኣብቲ ሰፊሕን ውቁብን ቤተ ክርስቲያን ካብ ጻት ንጻት መሊኦም ዝነበሩ ሕዝበ ክርስቲያን ብዕልልታን ጣቕዒትን ተሰንዩ፡ ታቦት ሠለስተ ጊዜ ዘይሩ።

ታቦት ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፡ ያሬዳዊ ዝማሬ ክቐርብ ከሎ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ነቲ ዕለት ዝምልከት ትምህርትን ቃለ ምዕዳንን ሂቦም። ኣብ መወዳእታ ኣብ ዘመኃላለፍዎ መልእኽቲ ድማ “ ኣብዚ ናይ ስደት ሃገር ነዚ ዝመስል ብስፍሓቱን ጽባቐኡን ቤተ ክርስቲያን ክሓንፁ ምኽኣሎም ኣብ እግዚአብሔር ዘለዎም ጽኑዕ እምነቱን ዓሚቕ ፍቕርን ዝገልጽ እዩ እሞ ሓድሕዳዊ ፍቕርን ምክብብራን ምስምምማዕን ክነግሥ ንልዑል እግዚአብሔር ብሓባር ኽንጽሊ ይግባእ። ኣብዚ ዕዮ’ዚ ዝተሳተፉ ኵሎም በረከተ ሥጋ ወነፍስ ይሃብኩም፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን’ውን ተመስግነኩም” ድኅሪ ምባል ቃለ ቡራኬ ሂቦም። 

ብጸሎተ ምህላ ናይ ሓባር ጸሎት ምስ በጽሐ ብምዕሩግ ሥነ ሥርዓት ፍጻሜ ናይቲ በዓል ኮነ።

እዚ ኣብ ሀገረ ኣንጎላ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያን ብዓይነቱን ሥፍሓቱን ጽባቐኡን ኣብ ወፃኢ ሃገር ካብ ዝተሓንፁ ኣብያተ ክርስቲያን ካብቶም ቀዳሞት ዝሥራዕ ኮይኑ ንምሕናፁ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ወፃኢ ተገይርሉ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195