banner

ብብፁዓን ኣቦታት ዝተመርሐ ኣብ ሆስፒታላትን ቤተ ኅዙናንን መንፈሳዊ ምብጻሕ ተገይሩ!

ብብፁዓን ኣቦታት ዝተመርሐ ኣብ ሆስፒታላትን ቤተ ኅዙናንን መንፈሳዊ ምብጻሕ ተገይሩ!

ክብረ በዓል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንኸብዕሉ ናብ ገዳም ደብረ ሲና ብኣውቶብስ ይጓዓዙ ኣብ ዝነበሩ ነጋድያን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ልዕሊ ሠላሳ ከምዝሞቱን ልዕሊ ዓሠርተ ከም ዝተጐድኡን ዝፍለጥ ኮይኑ ብብፁዓን ኣቦታት ዝተመርሐ ኣብ ቤት ኅዙናንን ብኸቢድ ዝተጐድኡ ዝሕከምሉ ዘለዉ ሆስፒታላትን መንፈሳዊ ምብጻሕ ተኻይዱ!

ብመጀመርታ ብብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ድባርዋን ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ሀገረ ስብከት ዓንሰባን ብሊቀ ካህናት ዘርአ ኣስመላሽ ኣካያዲ ሥራሕ ሀገረ ስብከት ኣሥመራን ዝተመርሑ ሠራሕተኛታት ቤ/ጽ መንበረ ፓትርያርክን ሀገረ ስብከት ኣሥመራን ብዕለት 22 ግንቦት 2010 ዓ.ም. (30 ሰኔ 2018 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ከምኡ’ውን ብዕለት 23 ግንቦት 2010 ዓ.ም. (31 ግንቦት 2018 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት በጺሖም።

ስመ እግዚአብሔር እናጸውዑን ብዝማሬ ናብ ቅዱስ ቦታ እናነገዱን ዝበጽሖም መጕዳእቲ ዓስቢ ዘውህብ ብምዃኑ ክጸንዑ ከምዝግባእ ድኅሪ ምምዓድ፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ንዅሉ ደዌን ኵሉ ሕማምን ካብኦም ኣኅሊፉ ፍጹም ጥዕና ንኽህቦም ጸሎቶም ኣብጺሖም።

ድኅሪ ቀትሪ ዕለት 23 ግንቦት 2010 ዓ.ም. (31 ግንቦት 2018 ዓ.ም.ፈ.) ናብ ቤተ ኅዙናን ኣብ ዝተቓንዐ ምብጻሕ ድማ ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዝተመርሑ 12 ኣባላት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ቀሓውታን ቦንዳ ሰምበልን ጸጸራትን በጺሖም። ዓሰርተ ኣርባዕተ ምዉታን ዘለወን ትሽዓተ ሥድራ ቤታት ካብ ኃዘነን ዘረጋግእን ኣብ ሃይማኖተን ዘጸናንዕን ብዝተፈላለዩ መምህራን ቃል ምጽንናዕ ክውሃብ ከሎ፡ “ዕረፍቲ ንምሃብ ሥልጣን ዘለካ ልዑል እግዚአብሔር ንዝሞቱ ዕረፍቲ ነፍሲ ገነት መንግሥተ ሰማያት ኣውርሶም” እናበሉ’ውን ጸሎቶም ኣብጺሖም።

እቶም ብብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ዝተመርሑ 12 ኣባላት መንበረ ፓትርያርክ ድማ ኣብ ጐዳይፍን ዓዲ ኣቤቶን ዝርከባ ዓሰርተው ሓደ ምዉታን ዘለወን ዓሰርተ ሥድራ ቤታት በጺሖም። ብጸሎትን ቃለ ምዕዳንን ዝተሰነየ ብዝተፈላለዩ መምህራነ ወንጌል ድማ ሰፊሕ ናይ መጸናንዒ ትምህርቲ ተዋሂቡ።

እዚ ነዞም ሕዝበ ክርስቲያን ዘጋጠሞም ሞትን መጕዳእትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብዓቢይ ቈላሕታ እያ ትጥምቶ። መርኣያ ናይዚ’ውን እዚ ኵነታት ኣብ ዘጋጠመሉ ጊዜ ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ሀገረ ስብከት ዓንሰባን ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ በጺሖም። ብምቕጻል’ውን ጽባሕ’ቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ዕለት ኣብታ ክነግድዋ ዝሓሰቡ ገዳም ደብረ ሲና ጸሎተ ፍትሓት በጺሕሎም።

ብደረጃ መንበረ ፓትርያርክ ብፁዓን ጳጳሳት ዝመርሕዎ ብሕብረት’ውን ኵሎም ሥድራ ቤት መወትቲ ዝሳተፍዎ ኣስማት ዝዓረፉ እናተጠቕሱ ዝግበር ጸሎተ ፍትሓት ንሰንበት ዕለት 3 ሰኔ 2010 ዓ.ም. ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ተመዲቡ ኣሎ። ብተወሳኺ’ውን በዚ ዕለት’ዚ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር ኣብ ኵለን ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያንን ጸሎተ ፍትሓት ኺግበር እዩ።

ልዑል እግዚአብሔር፡ ብመጕዳእቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ፍጹም ጥዕና፣ ንዝሞቱ ዕረፍቲ ነፍሲ፣ ንሥድራ ቤቶም ድማ ጽንዓት ይሃብ!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195