banner

ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህብ ክሊኒክ ተመሪቑ ኣገልግሎቱ ጀሚሩ!

ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህብ ክሊኒክ ተመሪቑ ኣገልግሎቱ ጀሚሩ!

ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህብ ክሊኒክ፡ ብዕለት 29 ግንቦት 2010 ዓ.ም. ብፁዓን ጳጳሳት፣ ኣበምኔት ገዳማት፣ ኃለፍቲ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፣ ምምኅዳር ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣብ ዝተረኽቡሉ ብጸሎትን ቡራኬን ተመሪቑ ኣገልግሎቱ ጀሚሩ።


ቅድስት ቤተ ክርስቲያን በብገጻቱ ኽትግብሮም ካብ ዝወጠነቶም ብርክት ዝበሉ ልምዓታዊ መደባት ሓደ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህብ ክሊኒክ ምክፋት ስለዝነበረ ዘድልይ ትሕተ ቅርጺ፣ ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብ፣ ፍቓድ ሞያዊ ኣገልግሎት (ሊቸንሳ)፣ መድኃኒትን መሣርሒታትን ተዋዲዱሉ ንኣገልግሎት ድልው ኮይኑ።

ኣብ ዕለተ ምርቓት፥ ጸሎትን ቡራኬን ምስ ተገብረ ብዛዕባ’ዚ ክሊኒክ ሰፊሕ መግለጺ ተዋሂቡ። ኣብቲ ዝተዋህበ መግለጺ፥ እዚ ንኡስ ዝደረጃኡ መደብር ጥዕና’ዚ ብቐጻሊ ዝተማለአን ብቑዕን ኣገልግሎት ንኽህብ ሓገዝ ግዱሳትን ሰብ ሞያን ስለዘድልዮ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ኣብዚ መንፈሳዊ ዕዮ’ዚ ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

እዚ ክሊኒክ’ዚ ኣብ ቀጽሪ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ዝርከብ፣ ብናፃ ክፍሊት ኣብ ውሽጣዊ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘገልግልን ኮይኑ፣ ብቀረባ ንተማሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲናን መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ፍኖተ ብርሃንን ቀዳማይ ረድኤት ሕክምና ዝህብ እዩ። ብተመሳሳሊ’ውን ብፁዓን ጳጳሳትን ገዳማውያንን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ምስ ክብሮምን መዓርጎምን ብዝሳነ ኣገባብ ብሰብ ሞያ ናፃ ሓገዝ ሕክምናን ሞያዊ ምኽርን ዝረኽብሉ ኣገዳሲ ትካል እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195