banner

“ምንተኑመ ወፃእክሙ ገዳመ ትርአዩ፧ ናብዚ ገዳም እንታይ ኢኹም ክትርእዩ ዝመጻኹም” (ማቴ. 11፡7)

“ምንተኑመ ወፃእክሙ ገዳመ ትርአዩ፧ ናብዚ ገዳም እንታይ ኢኹም ክትርእዩ ዝመጻኹም” (ማቴ. 11፡7)

  ክብረ በዓል ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ ቴድረር (2010 ዓ.ም.) ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ።

02 ሰነ ፍልሰተ ሥጋሁ ለዮሓንስ መጥምቅ ብዓቢይ ድምቀት ኣብ ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ ቴድረር ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ። ንኽብሪ እዚ በዓል ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ገዳማውያንን፡ ሊቃውንት መምህራንን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ ዮሓንስ በረኸት ቃል ኪዳኑ ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ክሳዕ ዑደተ ታቦት ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። ኣብ ዑደተ ታቦት ያሬዳዊ ዝማሬን ሸብሸቦን ምስ ቀረበ ብመምህር ሰሎሞን ተስፋማርያም “ናብዚ ምድረ በዳ እንታይ ኢኹም ክትርእዩ ዝመጻኹም” (ማቴ. 11፡7) ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ትምህርቲ ተዋሂቡ። ኣብ ትምህርቶም መምህር ሰሎሞን “ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ቅዱሳኑ ጸጋን በረኸትን ቃል ኪዳንን ሂብዎም እዩ።

ካብኡ ኃሊፉ’ውን ኣብ ደዊ ሰባት ክብሮም ከምዝገልጽ ‘ናብዚ ገዳም እንታይ ክትርእዩ መጻእኩም፡ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆ፧ እንታይ ደኣ ኽትርእዩ መጻእኩም ብቕጭን ክዳውንቲ ዘጌፀ ሰብ፧ ቅጭን ክዳውንቲ ዚኽደኑስ እንሆ ኣብ ኣባይቲ ነገሥታት ኣለዉ። እንታይ ደኣ መጻእኩም ነቢይ ኽትርእዩ፧ እወ ካብ ነቢይ እኳ ደኣ ዚበልጽ እዩ እብለኩም ኣሎኹ። ካብ ኣንስቲ ዝተወልዱ ዘበለ ካብ ዮሓንስ መጥምቕ ዚዓቢ ሓደ እኳ ከም ዘይተንሥአ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” በለ። ብፍቓድ ኣምላኽ ብብሥራት መልኣኽ ዝተወልደ፣ ብዙኃን ብልደቱ ዝተሓጐሱ፡ ምስ ነቢያትን ሓዋርያትን ዝቝጸር፡ መምህረ ንስሓ፡ ትሑት ጸራጊ መንገዲ፡ ናብ ኣምላኽ ዘብጽሕ መራሒ ንሱ ቅዱስ ዮሓንስ እዩ። . . ። ” ብምባል ምሂሮ።

ብመዝሙርን ዕልልታን ታቦት ኣብ መንበር ክብሩ ምስ ነበረ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ኣብ መወዳእታ ነጋድያን በረኸት ሰኒቖም፡ ‘ያብጽሓነ አመ ከመ ዮም’ እናበሉ ነናብ ቦታኦም ብሰላም ተመሊሶም።

ገዳም ቅዱስ ዮሐንስ ቴድረር፡ ኣብ ዓመት ብዙኃት ክብረ በዓላት እኳ እንተለዎ እቶም ቀንዲ ዝኽብሩ ግና 1 መስከረም ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ከምኡ’ውን 2 ሰነ ፍልሰተ ሥጋሁ ለዮሓንስ እዮም።

ከምዝፍለጥ ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ ቴድረር፦ ከም ገዳም ብስም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ካብ ዝግደም ልዕሊ 1600 ዓመት ዝገበረ፡ ንብዙኃት ቅዱሳን ኣበው መዕረፊ ዝኾነ፡ ክሳዕ ሕጂ በረኸቱ ዘይሓፀፀ ቅዱስ ቦታ እዩ። ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ ቴድረር ካብ ከተማ ደቀምሓረ ንሸነኽ ደቡብ 25 ኪሎ ሜትር ተገዲሙ ዝርከብ ገዳም እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195