banner

ብፁዕ አቡነ ዮሓንስ፡ 72 ብመዓርገ ዲቁና 27 ድማ ብመዓርገ ክህነት ሠይሞም!

ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ፡ 72 ብመዓርገ ዲቁና 27 ድማ ብመዓርገ ክህነት ሠይሞም!

ኣብ ዝተፈላለየ ገዳማትን ኣብያት ክርስቲያንን፡ ትምህርተ ቤተ ክርስቲያን ዝተማህሩን ብግቡእ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዘጽንዑን 72 ብመዓርገ ዲቁና ከምኡ’ውን 27 ብመዓርገ ክህነት ብብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ድባርዋ ተሠይሞም።

እዞም ዝተሠየሙ ዲያቆናትን ዝተቐብኡ ካህናትን፡ ኣቐዲሞም ብመምዘኒ ብቕዓት ትምህርቶምን ሥነ ምግባሮምን ዝተመስከረሎም እዮም።

ኣብ ሃገረ ስብከት ድባርዋ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተገብረ ሥርዓተ ሢመት፡ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን “እዞም ዝተሠየሙ ውሉደ ክህነት ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኃይልን ጽንዓትን ኮይኖም ብትግሃትን ትሕትናን ከገልግሉ” ምዒዶም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195