banner

ክብረ በዓል ሕንፀተ ቤታን ቅዳሴ ቤታን ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ሕንፀተ ቤታን ቅዳሴ ቤታን ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ ፡ 21 ሰኔ ድማ ቅዳሴ ቤታ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክበዓል ከሎ ብፍላይ ግና ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ብዓቢይ ድምቀት ተኸቢሩ። ካብ ቀረባን ርኁቅን ብእግሪ ጕዕዞን ብመኪናን ዝመጹ ሕዝበ ክርስቲያን ፍቅረ እግዚአብሔርን ክብሪ ወላዲቱ ድንግል ማርያምን ብዝገልጽ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ናይቲ ዕለት ተሳተፍቲ በረኸት ኾይኖም።

ኵሎም ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ካብቲ ኣብ ዕለት 19 ሰኔ፡ 20 ሰኔ፡ 21 ሰኔ ዝበጽሐ ጸሎተ ቅዳሴን ስብሐተ ማኅሌትን ተሳተፍቲ ኮይኖም። ብውሉደ ክህነት ዝግባእ ሥርዓተ ዋዜማ እናተቖመ ስብሐተ ማኅሌት ክበጽሕ ከሎ ናኣሽቱ መንእሰያትን ዓበይትን ምእመናንን ምእመናትን ብጸሎተ ምህላ ውዳሴን ዝማሬን ነቒሖም ቀንዮም።

21 ሰኔ ሰዓት 10፡00 ቅድሚ ቀትሪ ብኽብሪ ብለባስያን ውሉደ ክህነት ተሰንዩ፡ ብዝማሬ ሊቃውንት መዘምራንን ምህላ ሕዝብን ተዓጂቡ ዑደተ ታቦት ተፈጺሙ። ታቦት ሠለስተ ሳዕ ዘይሩ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፡ ሊቃውንት መዘምራን ነቲ ዕለት ዝምልከት ያሬዳዊ ዜማ ከስምዑ ከለዉ፡ ሰባኬ ወንጌል ዘመንበረ ፓትርያርክ መሪጌታ ስምዖን በየነ ድማ “ንዑ ፍርሐተ እግዚኣብሔር ክምህረኩም” ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ትምህርቲ ምሂሩ።

ብድኅር’ዚ ታቦት ኣብ መንበር ክብሩ ምስ ተቐመጠ፡ ብብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል ዝተመርሑ ቀዳስያን ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። እቶም ተዳልዮም ዝጸንሑ ክቘርቡ ከለዉ ካልኦት ድማ ናብኡ ኣብጽሓና እናበሉ ጸሎቶም ኣብጺሖም።

ኣብ መወዳእታ፡ ሕዝበ ክርስቲያን መኽፈልቲ ገዳም ቀሚሶም ነናብ ቦታኦም ብሰላም ተፋንዮም።

ከምዝፍለጥ፡ ኣብ ኃሙሻይ ክፍለ ዘመን ናይዚ ገዳም ደብረ ሲና ሥርዓተ ጳጉሚስ ማኅበር ሓድነት ዝመሥረተ ጻድቕ ኣባ ዮሓኒ ኣብዛ ጐይታ ኣብ ጊዜ ስደቱ ብኢዱ ዝዳኅሠሣ ብኢድ ሰብ ዘይተሓንፀት መሠረት ዘይብላ ቤተ ክርስቲያን ኪጽሊ ኸሎ ኣብ 21 ግንቦት ቅድስት ድንግል ማርያም ንመላእኽትን ጻድቃንን ሰማዕታትን ኣኺታላ ካብ ፀሓይ ትበርህ ኮይና ብራእይ ስለዝተገልጸትሉ ነዛ ዕለት’ዚኣ ብኣምሳል ደብረ ምጥማቅ በዓለ ማርያም ኢሉ ኣኽበራ።

ከምኡ’ውን ኣብ 20 ሰኔ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ወሪዱ ምስ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያትን ቅዱስ እስጢፋኖስን ቅዱስ ቍርባን ኪሠርዕ ስለ ዝረኣዮ 20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ፡ 21 ሰኔ ድማ ቅዳሴ ቤታ ከምዝበዓል ኮነ። በዚ መሠረት ከኣ ዓመት መጽአ ገዳም ደብረ ሲና ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ 21 ግንቦት ከምኡ’ውን 21 ሰኔ ብዓቢይ ድምቀት ይብዕል።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195