banner

ቅዱስ ሲኖዶስ ቅድሚ ምእታው ጾመ ፍልሰታ 17-18 ሓምለ 2010 ዓ.ም (24-25/07/2018) ኣብ ዝገበሮ ናይ ክልተ መዓልቲ ርክብ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘገድሱ ዓበይቲ ጉዳያት ጉባኤኡ ኣቃኒዑ።

ቅዱስ ሲኖዶስ ቅድሚ ምእታው ጾመ ፍልሰታ 17-18 ሓምለ 2010 ዓ.ም (24-25/07/2018) ኣብ ዝገበሮ ናይ ክልተ መዓልቲ ርክብ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘገድሱ ዓበይቲ ጉዳያት ጉባኤኡ ኣቃኒዑ።

ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ጉዳይ መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን፣ ምምዳብ ዓቕሚ ሰብ ኣብ ምክትል ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ሓለፍቲ ጉባኤ ሊቃውንትን፣ ምንጻር መደብ ስራሕ ኣቡነ ቀሲስ፣ ኣብ ኮሌጅ ፍኖተ ብርሃን ብሞያ መምህርነት ደረጃ ክስልጥኑ ናይ ዝግብኦም ገዳማውያን መነኮሳት ኣብ ዝብሉ ንቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዝምልከቱ መንፈሳዊያን ጉዳያት ኣስፊሑ ከምዝዝተየ ተፈሊጡ። ሓጓፋት ተፈጢሩ ኣብ ዝጸንሓሎም ዓበይቲ ኣብያተ ጽሕፈት ዘድሊ ዓቕሚ ሰብ ድኅሪ ምምዳብን ምንጻር ስራሕን፣ ብዝተፈላለየ ሞያ መምህርነት ኣብ ኮሌጅ ፍኖተ ብርሃን ክምረቑን ናብ ኣገልግሎት ቀዳምነት ንገዳማት እናተወሃበ ክምደቡ ዝጸንሑን መምህራን ከምዘለዎ ኮይኑ፣ ንቀጻሊ ግና ገዳማት ካብ ውሽጦም ካብ ዝርከቡ መነኮሳት መምህራን ናብዚ ኮሌጅ ብምእታው ከሰልጥኑ ዘለዎ ድርብ ረብሓ ብምብራህ፣ ሥምረት ገዳማት ምስ ገዳማት ብምትሕብባር ታራኦም ከእዝዙ ተረዳዲኡ።

ምድልዳልን ምኅያልን ብቝዕ ዓቕሚ ሰብ ኣብ መንፈሳዊ ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ ኣብ ጉስነትን ስብከተ ወንጌልን ምእመናንን ምእመናትን ከምኡ’ውን ኣብ ምሕያል ኣገልገልትን ታራ ተካእቲ መንእሰያትን ርዱእ ብምዃኑ ክድፍኣሉ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ብምቕጻል ብቤት ጽሕፈት ምምሕዳር መንበረ ፓትርያርክ ተማእኪሉ ብሰብ ሞያን ክኢላታትን ተጸኒዑ ኣብ ዝቐረበ መጽናዕትን መምርሒታትን ብምዝታይ ከኣ ከምቲ ቃለ ዓዋዲ ኣንቀጽ 99ን 46ን ዝእዝዞ ካብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ክሳብ ክልል ሰበኻ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘለዉ ኣብያተ ጽሕፈትን፣ ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝርከብ ንብረትን ሃብትን ቤተ ክርስቲያን ብሓላፍነት ዝምዝግብ፣ ዝከታተል፣ ዝቆጻጸር ክፍሊ ክቐውም ወሲኑ። ኣብ ስፍሓትን ኣገዳስነትን እዚ መደብ መብርሂ ድሕሪ ምርካብ ከኣ ቤተ ክርስቲያን ሃብታን ንብረታን ከምቲ ዝግባእን ዝድለን ይመሓደር ከምዘየለ ብምንጻር ዘድሊ ዓቕሚ ሰብን ቤት ጽሕፈትን ክዋደደሉ ተረዳዲኡ። ብተመሳሳሊ’ውን ምሕደራ ንዋያተ ቅዱሳት ብዝምልከት ምስ ካልእ ልምዓታዊ ትካል ተሓዊሱ ዝጸንሓሉ ኣገባብ ብዙኅ ኣድማዕነት ከምዘይነበሮ ኣብ ዝቐረበ መጽናዕቲ ድሕሪ ምዝታይ፣ ብደረጃ ሃገር ካብ ዝደቐቐ ክሳብ ዝዓበየ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝርከቡ ንዋያተ ቅዱሳት ክብሮምን ሥርዓቶምን ተዓቂቡ ብምእኩል ኣገባብ ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕሉሉ መገዲ ንምፍጣር ዘኽእል ‘ማእከል ንዋያተ ቅዱሳት’ ክምሥረት ወሲኑ። ንዝቐረበ መመሓደሪ መምርሒ ከኣ ኣጽዲቑ። ኣብ መወዳእታ ድማ ቤተ ክርስቲያን ንኣገልገልታ ክትህቦ ዝጸንሐት ኣገልግሎት ጥሮታ ምሕደራኡ ንምምሕያሽን ብዘመናዊ ኣገባብ ንምድራጃዉን ክግበር ንዝጸንሐ ጻዕሪ ብምስማዕ፣ ብሕጂ ንምሕደራ ክጥዕም ኣብ ክፍሊ ፋይናንስ ተጠርኒፉ ስርሑ ክቕጽል ወሲኑ።

ብተወሳኺ’ውን ንቤተ ክርስቲያንን መሪሕነታን ኣብ ዝገድሱ ካልኦት ዓበይቲ ኣርእስቲ ብምዝታይን ህልዊ ገምጋም ብምክያድን፣ ኣብ ቀጻሊ ጉባኤታት ክለዓሉ ዘለዎም ጉዳያት ሰሪዑ። ኣብ መወዳእታ ገዳማት ኣድባራት ኣብያተ ክርስቲያናት ብሓፈሻ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ሕዝበ ክርስቲያን ረኺብናዮ ዘሎና ጸጋ ሰላም እግዚአብሔር ኣምላኽ ፍጹምን ምሉእን ክገበረልና፣ ሓድነትን ሰላምን ቤተ ክርስቲያን ከጽንዓልና ይኣቱ ኣብ ዘሎ እዋን ሱባኤ ጾመ ፍልሰታ ብጾምን ብጸሎትን ምሕለላን ንእግዚአብሔር ክንልምንን ክንምኅጸንን ኣዘካኺሩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195