banner

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ኣብ ቅዱሳን መካናት ብሰላም ዑደቶም የካይዱ ኣለዉ!

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፡ ኣብ ቅዱሳን መካናት ብሰላም ዑደቶም የካይዱ ኣለዉ!

ብዝሖም ልዕሊ 300 ዝኾኑ ምእመናንን ምእመናትን ብዕለተ ሰንበት 13 ነሐሴ 2010 ዓ.ም. (19/08/2018 ዓ.ም.ፈ) ከምኡ’ውን ብዕለተ ሰኑይ 14 ነሐሴ 2010 ዓ.ም. (20/08/2018 ዓ.ም.ፈ) ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሥመራ ተበጊሶም ኣብ ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ምስ በጽሑ ብዅሎም ውሉደ ክህነትን ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበትን መንእሰያትን ካልኦትን ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሎም።

ብመሠረት መርሐ ግብር፡ ካብ ንጽባሒቱ ጀሚሮም ኣብ ቅዱሳት መካናት በረኸት እናረኸቡ ጸሎቶም እናብጽሑ ዑደቶም ኣካይዶም። ኣብ ጐይታ ዝተወልደላ ቤተ ልሔምን ጓሶት ዝተበሥርሉ ቦታን ምስ በጽሑ እግዝእትነ ማርያም እናጥበበቶ ጸባ ዝነጠበሉ እሞ ብተኣምራት እቲ ቦታ ፃዕዳ ዝተለወጠሉን ብምብጻሕ፡ “ በእንተ አጥባቲሃ እለ ሐፀናከ እግዚኦ ተሣሃለነ/ ምእንቲ እተን ዘዕበያኻ ኣጥባታ ክትብል ኦ ጐይታ ምሕረትካ ሃበና” እናበሉ ተሳሊሞም።

ኣብ በዓለ ዕርገተ ሥጋሃ ለማርያም ( በዓለ ፍልሰታ) 16 ነሐሴ፡ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ ነጋድያን ቈሪቦምን ተሳተፍቲ በረኸት ኮይኖምን።

ንጽባሒቱ፡ ኣብቶም ብቓል ወንጌል ጥራሕ ዝፈልጥዎም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ቅዱሳን መካናት ዑደት ኣካይዶም። 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ 38 ዓመት ዝተደነሰ መፃጕዕ ዘሕወየሉ ቦታ ብምብጻሕ ስለ ነፍሶምን ሃገርን ዓለምን ፈውሰ ሰላምን ጥዕና ፍቕርን ጽንዓት ሃይማኖትን ክህብ ተማሕፂኖም።

ኣደ እግዝእትነ ማርያም ቅድስት ሃና ዝተቐብረትሉ ቦታ ብምስላም በረኸት ክረኽቡ ከለዉ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጎልጐታን ኣብ 14 ምዕራፈ መስቀል ዝበሃሉን ሓደ ብሓደ በጺሖም። ጐይታ ዝተጠምቀሉ ማየ ዮርዳኖስ ብምብጻሕ’ውን ካብ በረኸት ጥምቀቱ ከሳትፎም ተሓጺቦም።

ነጋድያን፡ ብበረኸት ኣጊጾም ብጸጋ ተመሊኦም ብፍቕርን ሰላምን ዑደቶም ይቕጽሉ ኣለዉ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195