banner

መበል 40 ዓመት ምምሥራት በዓል ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ዓዲ ቀይሕ ብድምቀት ተባዒሉ!

መበል 40 ዓመት ምምሥራት በዓል ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ዓዲ ቀይሕ ብድምቀት ተባዒሉ!


ብምኽንያት መበል 40 ዓመት ምምሥራት በዓል ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ዓዲ ቀይሕ ብሰንበት 06 መስከረም 2011 ዓ.ም.ግ. ፍሉይ ጉባኤ ተገይሩ። ኣብ ትሕቲ “እግዚአብሔር ዓቢይ ግብሪ ገበረልና ንሕና’ውን ተሓጐስና” (መዝ. 126፡3) ዝብል መሪሕ ኣርእስቲ ዝተገብረ መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ካብ ቤ/ጽ መንበረ ፓትርያርክ ኣሥመራ ዝመጹ ላዕለዎት ኃለፍቲ ክፍልታት፣ ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጹ ሊቃውንት መምህራንን ካህናትን ዲያቆናትን ተመሃሮ መንእሰያትን ዓበይትን ሕፃናትን ተሳቲፎም ነይሮም።

ካብ ዓዲ ግራት ዝመጹ ኣባላት ቤ/ት ሰንበት ደብረ ጎልጎታን ካብ ዛላምበሳ ዝመጹ ኣባላት ቤ/ት ሰንበትመድኃኔ ዓለም ቤ/ክን ብምስታፎም ፍሉይ ድምቀት ነይርዎ።

ብመሠረት መርሐ ግብር፡ ቅድሚ ቀትሪ ዓውደ ምርኢት ቀሪቡ። ድኅሪ ቀትሪ ድማ እቲ ጉባኤ ብጸሎትን ብናይ ዕለቱ ወንጌልን ምስ ጀመረ፡ ኣብዚ ትምህርተ ሰንበት ዝተመልመሉ ሕፃናትን፡ መንእሰያትን ብስም ርኅሩኅ ሣምራዊ ዝጥርነፉ ሰብ ሓዳር ወለድን በብተራ ትምህርትን ሥርዓትን ባህልን ቤ/ክ ዝገልጽ ትዕይንት ኣቕሪቦም።

ብስም ርኅሩኅ ሣምራዊ ዝጥርነፉ ሰብ ሓዳርን ወለድን “እግዚአብሔር ጓሳይየይ እዩ ፣ ስምኪ ጸውዐ መዓስ ኃፊረ” ዝብል መዛሙር ምስ ኣቕረቡ ብሊቀ ካህናት መሓሪ መዝገበ ምስቲ ዕለትን ኵነታትን ታሪኽን ዝምልከት ስብከተ ወንጌል ተዋሂቡ።

ብድኅሪ እዚ ጽዑቕ መደባት፦ መዝሙር ብሕፃናት፡ መንፈሳዊ ምርኢት፡ ‘ኵሉ ካብኡ እዩ’ እናበሉ ዓበይቲ መዘምራን፣ ‘ርዝነታ እዩ እቲ ምሥጢር’ ዝብል ግጥሚ . . . ሓደ ብሓደ ቐሪቦም።

መልእኽቲ ማኅበር ብዲያቆን ተስፋዓለም መብራህቶም ምስ ቀረበ ብምኽንያት 40 ዓመት ምምሥራት ትምህርተ ሰንበት 40 ጥዋፍ ተወሊዖም “እግዚአብሔር ዓቢይ ግብሪ ገበረልና” እናበለ ኵሉ ተሳታፊ ማኅበር ዘሚሩ።

ውሉደ ክህነት ያሬዳዊ ዜማ ብልዑል ተመስጦ ምስ ኣሸብሽቡ፡ ሊቀ ካህናት ሣሙኤል ጸጋይ ቃል ቤ/ጽ መንበረ ፓትርያርክ ኣቕሪቦም። ኣብ መልእኽቶም “ እዚ ቤት ትምህርቲ’ዚ ማኅበር’ዚ በዞም ሎሚ ብፁዓን ጳጳሳት ዘለዉ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ቄርሎስን ብፁዕ አቡነ ሉቃስን ዝእለ ዝነበረን ዘሎን ምዃኑ ድኅሪ ምጥቃስ ብብዙኅ ተጻብኦታት ኃሊፉ ኣብዚ ደረጃ ምብጽሑ ብሓቂ እግዚአብሔር ዓቢይ ግብሪ እዩ ገይርልና’ ኢሎም።

እቲ ጉባኤ፡ ብዝተፈላለየ መደባት ምስ ቀጸለ ብብፁዕ አቡነ ቄርሎስ ኣባታዊ ምኽርን ጸሎትን ተዛዚሙ።

ኣብ መወዳእታ ካብ ዸቂቅ እስከ ልኂቅ፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጸ ተሳተፍቲ’ቲ በዓል “ ያብጽሐነ አመ ከመ ዮም/ ንዓመታ ከምዚ እዋን የራኽበና” እናበሉ ብሃይማኖታዊ ስምዒትን መንፈሳዊ ሓበንን ተፈላልዮም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195