banner

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ንሓዋርያዊ ዑደት ናብ ግብጺ ገይሾም

ብመሠረት ወግዓዊ ዕድመ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ፣ ልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ሰኑይ ፲፯ መስከረም ፳፻ወ፰ (29-9-2015) ናብ ካይሮ ገይሾም። ብሊቃነ ጳጳሳት ከምኡ’ውን ብአበምኔታት ገዳማት ዝተሰነየ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ፣ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ቴዎድሮስ ዝርከብዎ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ርክብን ጉባኤን ከካይድ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ቅዱሳን ገዳማት ግብጺ ዑደት ኪገብር እዩ ።


እዘን ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ብመሠረት ዝገበርኦ ፕሮቶኮላዊ ስምምዕ ንክልተአን ኣብ ዘገድስ መንፈሳዊ ጕዳያትን፣ መደባት ምትሕግጋዝን ብሓባር ንምሥራሕ ወግዓዊ ምብጽጻሕ ኣብ ምፍጻም ይርከባ ኣለዋ። እዚ ብምክብባርን ፕሮቶኮላዊ ስምምዕ ብምጽናዕን ዝግበር ዝምድናን ዝምሥረት ፍቕርን ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ ጊዜ ኣብ ሓዋርያዊ ተልእኾን መንፈሳዊ ዕማምን ዝያዳ ከገድሰንን ከርብሐንን እዩ።
ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከም ኣካል ኣበጊሳቶ ዘላ ዳግመ ሥርርዕን ትንሣኤን፣ እዚ ዑደት እዚ ንነዊኅ ዝጠመተ ዝምድና ንምኅያል፣ ንሓባራዊ ዕብየትን ብልጽግናን ብሓባር ንምሥራሕን ምሉእ ተስፋ ዝህብ እዩ።
ኵሉ ከምዝፈልጦ ክልተአን ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣስታት 1700 ዓመታት ዘቝጸረ ታሪኻውን መንፈሳውን ዝምድና ዘለወን ሥድራ ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ብፍሉይ ከኣ ደቂ መንበረ ማርቆስ ወንጌላዊ እየን። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ድኅሪ ናፅነት ሃገርና ሕጋዊ ቅጥዕታቱ ብዘማልአ፣ ሓዋርያዊ ሰንሰለቱ ብዝዓቀበ መንፈሳዊ ሥርዓቱን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ናፃን ልኡላዊትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምምሥራትን መንበረ ፓትርያርክ ኣብ ምትካልን ዝነበራ ኣበርክቶ ኣዝዩ ልዑልን ዝምስገንን እዩ። ኣብ መዝገብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ውን ብኽብሪ ተሰኒዱ ዝነብር ሕያው ታሪኽ እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195