banner

ክብረ በዓል መስቀል 2011 ዓ.ም. ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

ክብረ በዓል መስቀል 2011 ዓ.ም. ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

በዓለ መስቀል፡ ብፍሉይ ኸኣ ኣብ ኣሥመራ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ብፁዓን ጳጳሳት፡ ላዕለዎት ሰበ ሥልጣን መንግሥትን ዲፕሎማትን፡ ውሉደ ክህነትን ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ።

ብመሠረት መርሓ ግብር ናይ’ቲ በዓል ሥነ ሥርዓት ልክዕ ሰዓት 7፡30 ቅ.ቀ. ብመሪሕነት ሰብ ተራ ለባስያን ደብረ ፀሐይ አቡነ ተክለሃይማኖት ሓዝሓዝ ‘ሰአሊ ለነ ማርያም’ ጀሚሮም ሥርዓት ጸሎት ቅዳሴ ክሳዕ ጸሎተ ወንጌል በጺሑ። ካብ መዝ. 60 “ወወሃብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅስት ወይድኃኑ ፍቁራኒከ/ ነቶም ዝፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም፡ እዚ ድማ እቶም ፍቁራትካ ካብ ገጽ ተጻባኢ ምእንቲ ኪድኅኑ እዩ።” ዝብል ምስባክ ምስ ተሰብከ

ካብ ወንጌል ዮሓ. 19፡25-27 ብብፁዕ አቡነ ሉቃስ ተነቢቡ።

ድኅሪ እዚ መምህራን ምስ ደቀ መዛሙርቶም ልዕል 100 ዝኾኑ ብጣቂዕትን ዕልልታን ጉባኤ ተሰንዮም ‘መስቀል አብርሀ ለኵሉ ዓለም. . .’ እናበሉ ኣሸብሺቦም።

መንእሰያት ትምህርተ ሰንበት ድማ ብወገኖም ብቅርጺ መስቀል ተሠሪዖም፡ ብዝተፈላለየ ሕብሪ ኣጊጾም፡ ብድባብን ባንዴራ ቃል ዓዋዲን ተኸቢቦም ነቲ በዓል ዝምልከት፥ ‘ህየ ንሰግድ ኵልነ’ እናበሉ ሙዑዝ ዝማሬ ኣስሚዖም።

ኦርቶዶክሳዊ እምነትን ሥርዓትን ባህልን ከምኡ’ውን ነቲ በዓል ዝምልከት ድባብ፡ ሥዕልን ቅርጽን መስቀል፡ ኣርማ ቃለ ዓዋዲ፡ ቅዱሳት ኣሣዕል፡ ኣብ ባነር ዝተጻሕፈ ነገረ መስቀል . . . ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ትርኢት ሓደ ድኅሪ ሓደ ቀሪቡ። ሕፃናት ትሕቲ ዕድመ ሕብራዊ ባሎናት እናንበልበሉን ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ብቅርጸ መስቀል ተሠሪዖምን ብጣዕመ ልሳኖም ‘ቃል መስቀል ንኣና ኃይሊ ኣምላኽ እዩ፡ ንዘይኣምኑ ዕሽነት’ዩ ንኣና ሕይወት’ዩ” እናበሉ ዘሚሮም። ብያሬዳዊ ዝማሬ መቆምያን ጸናጽልን ዝኃዙ መንእሰያት “ ከመ ትባርከነ በመስቀልከ” እናበሉ ምስ ኣሸብሸቡ ኣደታት ከኣ ኢደን ዘርጊሐን ሰማይ ኣንቃዕሪረን ውዳሴ መስቀል ኣስሚዐን።

ዓሚቝ ምሥጢር ዘለዎ ሓፂር ግጥሚ ምስ ተነበ፡ ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ በዓለ መስቀል ዝገልጽ ብልሳነ ትግርኛን እንግሊዝን ብሓፂርን ገላጽን መልእኽቲ ኣብ ጸቢብ መድረኽ ቀሪቡ። ተሳተፍቲ ጉባኤ ድማ “ሆየ ሆየ/ እንሀለ መስቀል ተረኺቡ” እናበሉ ብዕልልታን ጣቕዒትን ዘሚሮም።

ከምቲ መርሐ ግብር ዝተሠርዐ ድማ ነቲ በዓል ዝምልከት ብመሪጌታ ስምዖን በየነ ትምህርቲ ተዋሂቡ። ኣብ ኣስተምህሮኦም ነቲ በዓል ዝምልከት ታሪኽን ኣገዳስነትን ምስ ገለጹ “ ናይ ሎሚ ዓመት በዓልና፡ ጸልማት ክረምት ኃሊፉ ምድርና ብዕምባባታት በሪሁ ዝረኣየሉ፡ ኣብ መንጎ መንግሥታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ጸልማት መጋረጃ ዝተቐንጠጠሉ፡ ብርሃን መስቀሉ ዝበርሃሉ ሰላም መስቀሉ ዝተዋህበሉ ዕለት ብምዃኑ ፍሉይ እዩ” ኢሎም።

ቀጺሎም ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ምስ ሃቡ፡ ለባስያን ካህናት ፥ ‘መስተበቍዕ ዘመስቀል’ ብላዛ ዘለዎ ንባብን ጣዕመ ዜማን ምስ ኣብጽሑ፡ ጸሎተ ምህላ ተገይሩ።

ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብፁዓን ኣቦታት ብለባስያን ካህናትን ዲያቆናትን ተማእኪሎም፡ ነቲ ዳሜራ በርባዕተ መዓዝን እናተዘዋወሩ ምስ ባረኽዎ ፍጻሜ ናይቲ በዓል ዳሜራ ብምውላዕ ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195