banner

ክብረ በዓል ወዝክረ ዕረፍት አቡነ ኤዎስጣቴዎስ 18 መስከረም 2011 ዓ.ም.ግ. ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ወዝክረ ዕረፍት አቡነ ኤዎስጣቴዎስ 18 መስከረም 2011 ዓ.ም.ግ. ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ/ ዝኽሪ ጻድቅ ንዘለዓለም ይነብር፡ መዝ. 111/112

ኣብ ናይ መንፈስ ደቆም ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያንን ክብረ በዓል ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክብዓል ከሎ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ብሽሞም ኣብ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያን ደብረ መድኃኒት ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ጐዳይፍ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ዞባ ማእከል ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጹ ሊቃውንት ውሉደ ክህነት ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ተኸቢሩ።


ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ክሳዕ ሰዓት 10፡00 ቅ.ቀ. ስብሐተ ማኅሌትን ሰዓታት ጸሎትን በጺሑ፡ ‘ታቦት’ ብብፁዓን ኣቦታትን ሊቃውንትን መዘምራንን ሕዝበ ክርስቲያንን ብኽብሪ ተዓጂቡ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፡ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ብያሬዳዊ ዝማሬ ኣሸብሺቦም። ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት ብወገኖም ሠለስተ መዛሙር ብምዝማር ነቲ በዓል ድምቀት ወሲኾምሉ።

ብድኅር’ዚ ብሰባኬ ወንጌል መምህር ጉርጃ ክፍሉ ስፍሕ ዝበለ ትምህርቲ ምስ ታሪኽ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ብምትእስሳር ክብረ ጻድቃን ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ምዃኑን፡ ዝኽሮም ምብዓል ሰማያዊ ዓስቢ ከምዘውህብን ገሊጾም። መምህር ጉርጃ ኣብ ትምህርቶም “ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክብሪ ቀዳምን እሑድን ዝሰበኹ፡ ሓዋርያ ምድረ አግዓዚ፡ ገባሬ ተኣምር ዓቢይ ኣቦ እዮም። ” ብምባል ድኅሪ ምምሃሮም፡ ናይቲ ደብሪ ኃላፊ ንምምኅዳር ቤት ጽሕፈት ሰበኻ ጉባኤ ወኪሎም ፡ ኣብቲ ክብረ በዓል ንዝተሳተፉ ‘ብጸሎት ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ሰማያዊ ዓስቢ ይሃብኩም’ ኢሎም ቃለ ምስጋና ኣስሚዖም።

ቃለ ቡራኬ ብብፁዕ አቡነ ሉቃስ ተዋሂቡ፡ ምህለላ ምስ ተገብረ ታቦት ናብ ክብሪ ቦታኡ ኣትዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ማእሠር ማኅሌት ወጸሎት ዝኾነ ጸሎተ ቅዳሴ ብልዑል ተሳትፎ ናይ ምእመናን ምስ በጽሐ፡ ልክዕ ሰዓት 3፡00 ድኅሪ ቀትሪ ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195