
ልዑካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዑደት ንምግባር ገይሾም!
ልዑካን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ፡ መምህር መልከ ጼዴቅ አበምኔት ገዳም ኣቡነ ዮናስ ቈሓይንን፡ ተሓጋጋዚ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ዲያቆን ግርማይ ዘርኣይ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዑደት ንምግባር ኃሙስ 24 መስከረም 2011 ዓ.ም. ( 04/10/ 2018 ዓ.ም.ፈ.) ገይሾም!
እዚ ዑደት’ዚ መቀጸልታ ናይቲ ዝቐደመ ዑደታት ኮይኑ፣ ቀንዲ ዕላማኡ ምስ ሕዝበ ክርስቲያን ንምርኻብ፣ ኣብ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ንምስታፍ፣ ኣብ ዕቤት ሃገረ ስብከት ንምዝታይ፣ ምስ ኣብ ዝተፈላለያ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ንምብጻሕ፣ ብግቡእ ተማሂሮም ብመማህራኖም ንዝተመስከረሎም ተማሃሮ ሢመተ ዲቁና ንምሻም፣ ንዲያቆናት ድማ መዓርገ ክህነት ንምቕባእ፣ ከምኡ’ውን ኣብያተ ክርስቲያን ባሪኽካ ታቦት ምእታው . . . ዘጠቓለለ ዑደት እዩ።