banner

ልዑካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ብሰላም ዑደቶም የካይዱ ኣለዉ!

ልዑካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ብሰላም ዑደቶም የካይዱ ኣለዉ!

ልዑካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ናይ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዑደቶም ንምጅማር ኃሙስ 24 መስከረም 2011 ዓ.ም. ( 04/10/ 2018 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ንግሥነት ኔዘርላንድ ምስ በጽሑ ብኃለፍቲ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራን ኵሎም ውሉደ ክህነትን ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበትን ምእመናንን ምእመናትን ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሎም።

ብመሠረት መርሐ ግብር፡ ካብ ንጽባሒቱ ጀሚሮም .. .. .. 

ምስ ኣባላት ሃገረ ስብከትን ንኡስ ሃገረ ስብከትን ርክባት ድኅሪ ምግባር ብዕለት 27 መስከረም 2011 ዓ.ም. (07/10/2018 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ሮተርዳም፣ ብመምርሒ ቃለ ዓዋዲ ሓድሽ ሰበኻ ጉባኤ ብሕዝቢ ተመሪጾም፡ ብብፁዓን ኣቦታትን ቡራኬ ተቐቢሎም። ብሰንኪ ተፈጢሩ ዝጸንሐ ምምኅዳራዊ ዘይምርድዳእ ተቐያይሞም ዝጸንሑ ኵሎም ድማ ይቕረ ተበሃሂሎም።

ልዑካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ዕለት 01 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. (11/10/2018 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ከተማ ሚላኖ ሃገረ ኢጣልያ ብምእታው ናይ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዑደቶም ይቕጽሉ ኣለዉ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195