banner

ክብረ በዓል አቡነ አረጋዊ 14 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል አቡነ አረጋዊ 14 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል አቡነ አረጋዊ ብስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን ውዳሴን ቅዳሴን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ብስም ኣቡነ ኣረጋዊ ኣብ ዝጽውዓ ኣብያተ ክርስቲያን ብድምቀት ተኸቢሩ።

ዋና ኣመኃዳሪ አቡነ ባስልዮስ፡ ውሉደ ክህነትን ብኣሽኃት ዝቍጸሩ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ደብረ መዊዕ አቡነ አረጋዊ (ማይተመናይ) ብድምቕ ዝበለ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ። ነቲ በዓል ዝምልከት ብዝወፀ መርሓ ግብር መሠረት፡ ዋዜማ 13 ጥቅምት ካብ ሰዓት 12፡00 ድ. ቀ. ክሳዕ ሰዓት 4፡00 ድ. ቀ.፡ ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ።

ብድኅርዚ ሊቃውንት ስብሐተ ማኅሌት ካብ ሰዓታት ምሸት ጀሚሮም ክሳዕ ረፋድ ሰዓት 9፡00 ከብጽሑ ኃዲሮም። ብድኅርዚ ታቦተ ሕጉ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ዘይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፡ ሊቃውንት መዘምራን ነቲ በዓል ዝምልከት ጣዕመ ዜማ ወረብ፡ ልቢ ብዝምስጥ ኣሸብሺቦም።

ተማሃሮ ትምህርት ሰንበት ናይዚ ደብሪ’ውን “ በእንተ ውሉድከ አረጋዊ (ገብረክርስቶስ) ጸሊ፡ እስመ ኵሉ ለቤቱ ይሔሊ/ ኦ ኣረጋዊ ከምኡ’ውን ገብረ ክርስቶስ ከምቲ ኵሉ ስለ ቤቱ ዝሓስብ ንስኻትኩም ድማ ስለቶም ናይ መንፈስ ደቅኹም ጸልዩ ” እናበሉ ብምዝማር ነቲ በዓል ፍሉይ ድምቀት ወሲኮምሉ።

ሰባኬ ወንጌል መሪጌታ ስምዖን በየነ ድማ “ኣብ ቅዱሳን እትኃድር ልዑል እግዚአብሔር፡ ቅዱሳን ኣባኻ ተወኪሎም ኣይኃፈሩን” መዝ. 22፡3-5 ብዝብል ኣርእስቲ ምስ ታሪኽ ኣቡነ ኣረጋዊን ገብረ ክርስቶስን ብምትእስሳር ሰፊሕን መሳጥን ትምህርቲ ምሂሮም።

ኣብ መወዳእታ አቡነ ባስልዮስ ቃለ ምዕዳንን ኣቦታዊ ቡራኬን ምስ ሃቡ ብጸሎተ ምህላ ተዓጂቡ ታቦት ናብ መንበር ክብሩ ተመሊሱ። ኣሳርን ፈጻምን ኵሉ ኣገልግሎት ዝኾነ ጸሎተ ቅዳሴ ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ምስ ተሠርዐ መፈጸምታ ናይቲ በዓል ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195