banner

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ንግሥነት ነዘርላንድ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣካይዶም !

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ንግሥነት ነዘርላንድ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣካይዶም !

ኣብ ኤውሮጳ ሓዋርያዊ ዑደቶም ዘካይዱ ዘለዉ ልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ብክልተ ጉጅለ ብምዃን ኣብ ሃገረ ጀርመንን ሃገረ ንግሥነት ነዘርላንድ ዑደት የካይዱ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዚ መሠረት ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝምራሕ ካልኣይ ጉጅለ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ ናይ ሚላኖ ዑደቱ ብምቕጻል ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ንግሥነት ኔዘርላንድ ብዕለት 20/11/2018 ዓ.ም.ፈ ብዛዕባ ኣፈጻጽማ ሥራሕ ምርጫ ሰበኻ ጉባኤን ካልእ ተዛማዲ ጉዳያትን ሓባራዊ ዘተ ኣካይዱ። ብምቕጻል ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ ክርስቲያን ከተማ ኣልከማር ተሳቲፉ።


ብዕለተ ቀዳም 21/11/2018 ዓ.ም.ፈ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጹ ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ዝተሳተፍሉ ካብ ዋዜማ ዝጀመረ ክሳዕ ዕለቱ ስብሓታት፡ ውዳሴን ቅዳሴን ስብከተ ወንጌልን ቃለ ምዕዳንን ኣቦታዊ ቡራኬን በጺሑ።

ኣብዚ ዕለት’ዚ ካብ ዝተፈላለዩ ኣብ ሆላንድን ቤልጂየምን ዝርከቡ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝመጹ 35 ብመዓርገ ዲቁና፣ 6 ከኣ ብሥልጣነ ክህነት ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ተሠይሞም።

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ዑደቶም ብምቕጻል ብዕለት 11 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. (21/10/2018 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ከተማ ሮተርዳም ቤተ ክርስቲያን ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ተረኺቦም ጸሎተ ቅዳሴ ሠሪዖም። ካብ ኵለን ኣብ ሆላንድ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ምስ ዝመጹ ውሉደ ክህነት ጉባኤ ከካይዱ ከለዉ ብንኡስ ሃገረ ስብከት ተማእኪሎም ካብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ንግሥነት ነዘርላንድ ዝመጹ ወከልቲ ምእመናንን ምእመናትን ከኣ ተራኺቦም።

ኣብ ጉዳይ ትምህርቲ ሰንበት ብዝምልከት ድማ ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ደብረ ሰላም መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን፣ ኣባላት ሃገረ ስብከት ኤውሮጳን ንኡስ ሃገረ ስብከት ንግሥነት ነዘርላንድን ዝተሳተፉሉ ምስ ሰበኻ ጉባኤን ኮሚቴ ትምህርቲ ሰንበትን ሓባራዊ ዘተ ኣካይዶም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195