banner

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ስዊድን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣካይዶም !

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ስዊድን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣካይዶም !

ኣብ ኤውሮጳ ሓዋርያዊ ዑደቶም ዘካይዱ ዘለዉ ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብብፁዕ አቡነ ሉቃስ ተመሪሖም ኣብ ሃገረ ስዊድን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ፈጺሞም።

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብቲ ካብ ዕለት 14-16 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. (24-26/10/2018 ዓ.ም.ፈ.) ብተከታታሊ ንሠለስተ መዓልቲ ኣብ ስቶክሆልም ብንኡስ ሃገረ ስብከት ስዊድን ዝተማእከለ ካብ ምሉእ ሃገረ ስዊድን ዝመጹ ወከልቲ ውሉደ ክህነት፣ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት፣ ምእመናንን ምእመናትን ዝተረኽብሉ ዝተፈላለየ ጉባኤታት ብምስታፍ ኣብ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ሰፊሕ ርክባት ኣካይዱ።

ብዕለት 27/10/2018 ዓ.ም ኣብ ስቶክሆልም ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ነቶም ኣብ ሃገረ ስዊድን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናትን ማኅበራትን ክመሃሩ ዝጸንሑ 45 ተማሃሮ ብመዓርገ ዲቁና፣ 8 ዲያቆናት ድማ መዓርገ ክህነት ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ተሠይሞም።

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ከተማ ያቭለ ኣብ ዝተኸብረ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ ብምስታፍ ንሕዝበ ክርስቲያን ቡራኬ ሂቦም። ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ከገልግል ንዝጸንሐ ዲያቆን ድማ ‘ይደልዎ/ይግብኦ’ ብምባል መዓርገ ክህነት ከምዝተቐብዐ ኣብ ዝተኣወጀሉ፣ ሕዝቢ ብድሙቕ ዕልልታን ጣቕዒትን ሓጐሱ ገሊጹ።

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማኖታዊ ትካላትን ቤት ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጉዳያት እቲ ሃገርን ተዘራሪቡ።

ከምዝፍለጥ፡ ንኡስ ሃገረ ስብከት ስዊድን ኣስታት 12 ኣብያተ ክርስቲያናትን 38 ብሰበኻ ጉባኤ ዝመኃደራ ብጠቕላላ 50 ኣብያተ ክርስቲያናትን ማኅበራትን ዝጥርንፍ ንኡስ ሃገረ ስብከት እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195