banner

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርወይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣካይዶም ! (2)

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርወይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣካይዶም !

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብዕለተ 17 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. (27/10/2018 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ዋና ከተማ ኖርወይ ኦስሎ ኣብ ዝኣተዉሉ ጊዜ ጀሚሮም ሰፊሕ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ፈጺሞም።

ሰንበት 18 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. (28/10/2018 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ኖርወይ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናትን ማኅበራትን ክመሃሩ ንዝጸንሑ 26 ተማሃሮ ብመዓርገ ዲቁና፣ ንሓደ ዲያቆን ድማ መዓርገ ክህነት ብኢድ ኣቡነ ቄርሎስ ተሠይሞም። ካብ ሻራን ምፍልላይን ርሒቖም፣ ንኣገልግሎተ እግዚአብሔር ብቅንዕናን መንፈሳውነትን ክተግሁ ቃለ ምዕዳን ሂቦም።

ኣብ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኦስሎ ጸሎተ ቅዳሴ ድኅሪ ምሥራዕ፣ ምስ ሕዝበ ክርስቲያን ከምኡ’ውን ኃለፍቲ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ (ቆሞስ ኣባ ሃብተወልድን ጸሓፊ ሃገረ ስብከት ቀሲስ ዮሴፍ መርሐጽዮን) ኣብ ዝተረኽቡሉ፣ ምስ ኣካየድቲ ምምኅዳር ጉባኤ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርወይን ሰበካ ጉባኤ ቅድስት ማርያም ኦስሎን ዘተ ኣካይዶም። 

ንብጽባሒቱ ሰኑይ ናብቲ ካብ ከተማ ኦስሎ 230 ኪ.ሜ ርኂቑ ዝርከብ ከተማ ሽየን ብምኻድ፣ ነታ ሓዳሽ ተገዚኣ ንኣገልግሎት ተዳልያ ዘላ ቤተ ክርስቲያንን ምስ ቤት ጽሕፈታን ብምብጻሕ ቡራኬ ሂቦም። ነቲ ብዓቢይ ሓንቀውታ ክጽበ ንዝጸንሐ ሕዝቢ ዘጸናንዕ ቃለ ምዕዳን ሂቦም። ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ መዘከርታ ገረብ ተኺሎም።

ከምዝፍለጥ፡ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርወይ 47 ዝኣክላ ኣብያተ ክርስቲያናትን ማኅበራትን ዝሓቍፍ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ኤውሮጳ እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195