banner

ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ተቓኒዑ!

ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ተቓኒዑ!

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተረኽብሉ፡ ዓመታዊ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ብዕለት 23-24 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. (03-04/11/2018 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ጥቓ ከተማ ሉዘርን (ስዊዘርላንድ) ዝርከብ ገዳም ስዊዘርላንድ ተኻይዱ።

ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ካብ ኵለን ኣብ 15 ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ ዝርከባ ንኡሳን ሃገረ ስብከታትን፣ ሰበኻ ጉባኤታትን ዝተወከሉ ኣስታት 150 ሰባት ተሳቲፎም።


እቲ ጉባኤ ብጸሎትን ምስባክን ንባብ ወንጌልን ምስ ተኸፍተ፥ ዓመታዊ ጸብጻብ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ብቆሞስ ኣባ ሃብተወልድን፡ ቀሲስ ዘርእሠናይ ቀሲስ ሰሎሞንን ክቐርብ ከሎ፣ ናይ ንብረትን ገንዘባውን ጸብጻብ ድማ ብኃለፍቲ ክፍልታት ንብረትን ገንዘብን ኣቶ ኣስመሮምን ወ/ሮ ኤልሳን ሓደ ድኅሪ ሓደ ቀሪቡ።

ብምቕጻል ናይ ሽዱሽተ ዓበይቲ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ሓፂር ጸብጻብ ሥራሕ ብወከልቶም ምስ ተነበ፡ ንጉዳይ ምዕዳግ መንበረ ጵጵስናን ገዳምን ከምኡ’ውን ካልእ ስፍሕ ዝበለ ኣገልግሎት ክህብ ዝኽእል ሕንፃን ብኮሚቴ ምክትታል ዕድጊ መግለጺ ቀሪቡ። መተካእታ ዝጐደለ ኣባል ሃገረ ስብከት’ውን ምርጫ ተኻይዱ።

ብልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ጉዕዞ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ፕሮጀክታዊ ሥራሓትን ዝምልከት መግለጺ ተዋሂቡ። እዚ ጉባኤ’ዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ዘተኮረ ርእይቶን ሕቶን መልስን ዝተሰነየ’ዩ ነይሩ።

ብሓፈሻ እዚ ጉባኤ’ዚ ርኡይ ምዕባለን ዕብየትን ናይ ኤውሮጳ ሃገረ ስብከትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታትን ዝተራእየሉን፣ ሥፍሓትን ኣገልግሎትን ቤተ ክርስቲያን ዝተስተውዓለሉን እዩ ነይሩ።

ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፡ ልዕሊ 200 ኣብያተ ክርስቲያናትን ማኅበራትን ዝሓቍፍ ሃገረ ስብከት እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195