banner

2ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም ቅድስት

2ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም ቅድስት

ካልአይቲ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም “ቅድስት” ተባሂላ ትጽዋዕ። በዛ ሰንበት እዚኣ ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ኣብ ጾመ ድጓ፦ “ዛቲ ዕለት ቅድስት ይእቲ/ እዛ ዕለት’ዚኣ ቅድስቲ እያ”፣ “ሰንበትየ ቅድስትየ እንተ አዕረፍኩ/ ዘዕረፍኩላ ዕለት ሰንበት ቅድስት እያ”፣ “ቅዱሳን ኩኑ እስመ አነሂ ቅዱስ አነ/ ኣነ ቅዱስ ከምዝኾንኩ ቅዱሳን ኩኑ”፣ “አብ ቀደሳ ለሰንበት/ አብ ንሰንበት ኣኽበራን ቀደሳን” . . . እናበለ ብዛዕባ ቅድስና ሰንበት ይዝመር።

ቅዱስ ያሬድ ኣብዛ ዕለት ክዝመር ካብ ዝደረሶም ድርሰታት፡ “ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ምግባሮ፡ ሀቡ ስብሐተ ለስሙ አክብሩ ሰንበተ ተገበሩ ጽድቀ፡ ዝግቡ ለክሙ መዝገበ ዘበሰማያት ኀበ ፃፄ ኢያማስኖ ወኢይረክቦ ሰራቂ፡ ድልዋኒክሙ ንበሩ፡ ዘበላዕሉ ሐልዩ ኀበ ሀሎ ክርስቶስ”  ዝብል እዩ።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና’ውን ነዛ ዕለት ምኽንያት ገይራ፡ በቶም ኣብዛ ዕለት ብፍላይ ከኣ ኣብ ጊዜ ጸሎተ ቅዳሴ ዝንበቡ መልእኽታት፣ ምስባክ፣ ግብረ ሓዋርያትን ወንጌልን ብዛዕባ ቅድስና እግዚአብሔር፣ እግዚአብሔር ንዕለተ ሰንበት ኣብ ብሉይ ኮነ ሓዲስ ዝባረኻን ዝቀደሳን ዕለት ምዃናን ከምኡ’ውን እግዚአብሔር ቅዱስ ከም ዝኾነ፡ እቲ ፍጡሩ ሰብ ድማ ቅድስና ክኅዝ ከም ዝግብኦ ተተሓሳስብ። 

‘ቅዱስ’ ተባሂሉ ዝምስገን ምንጪ ቅድስና ዝኾነ፡ቅድስና ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ንቅዱሳን ዝቅድስ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እናተባህለ ዝቕደስን ዝሥለስን ሓደ እግዚአብሔር እዩ። (ኢሳ. 6፡1-10 ኢሳ. 40፡25)
ስሙ ቅዱስ ዝኾነ ፈጣሪ ብቅድስናኡ ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይቅድስ እዩ። (ዘፀ. 28፡46) ነቲ ስሙ ዝጽወዓሉ ሠናይ ቃሉ ዝንገረሉ ሥጋኡን ደሙን ዝፍተተሉ ቤቱ ይቕድስ። (ዘፀ. 3፡5፣ ኢያ. 6፡9) ነቶም ዘሥመርዎ ይቕድስ። ከምቲ ጐይታ “ብሓቂ ቀድሶም” ዝበለ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን’ውን ኵሉ ጊዜ ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ እምነቶም ጸኒዖምን ትእዛዛቱ ሓልዮምን ቅዱሳን ንክኾኑ ትምህር። (ዘሌ. 19፡19)

ነታ ዕለተ ዕረፍት ዕለተ ኣምልኾ ዝኾነት ሰንበት ድማ ዝቐደሳ ንሱ እዩ። (ዘፍ. 2፡3) ሕዝበ ክርስቲያን ድማ ነዛ ዝተቐደሰት ዕለተ ሰንበት ብመዝሙር፡ ቅዳሴ፡ መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ንዝተኣስሩ ብምብጻሕ፡ ንድኻታት ንምምጽዋት፡ ንዝተጻልኡ ብምዕራቕ . . . ከነኽብራ ቤተ ክርስቲያን ትእዝዘና። ‘መዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር’ ከምዝበለ ዕለተ ሰንበት ንእግዚአብሔር ሂብና በዛ መዓልቲ ንሱ ዝገበረልና ምሕረት እናሓሰብና ከነመስግን፡ ብመንፈስ እንዓብየሉ ቅዱስን ሠናይን ክንሠርሕ ይግብኣና።

ካብቲ ብዕለተ ሰንበት ዝወሃብ በረኸት ተሳተፍቲ ንምዃን የብቅዓና። ኣሜን።

                        ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195