banner

3ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ ምኵራብ

     3ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም
         ምኵራብ

ምኵራብ፦ ‘ቤተ ጸሎት ኣይሁድ’ እዩ። ኣይሁድ ኣብ ዘለዉዎ ሥፍራን ዓድን በብኸባቢኡ፡ መምሃሪ ሕገ ኦሪትን ነቢያትን ከምኡ'ውን መጸለዪ ዝግልገልሉ ዝነበሩ እዩ።
እዛ ዕለተ ሰንበት'ዚኣ ‘ምኵራብ’ ዝተባህለትሉ ምኽንያት ድማ በዛ ዕለት ካብ ጾመ ድጓ፡ ‘ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ አይሁድ / ጐይታ ኢየሱስ ናብ ምኵራብ ኣይሁድ ኣተወ’ ዝብል ካብ ‘ዋዜማ ጀሚሩ ክሳብ ሰላም’ ስለዝዝመር እዩ።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ፡ ኣብ ምኵራበ ኣይሁድ እናኣተወ ወንጌለ መንግሥት ድኅነተ ዓለም ከምዝመሃረን ተኣምራት ከምዝገበረን ዝዝከረሉ’ዩ። “ጐይታ ኢየሱስ ድማ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ እናመሃረ፡ ወንጌል መንግሥቲ እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ሕዝቢ ዝነበረ ድናሰን እናኣሕወየ፡ ኣብ ኵለን ከተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ።’ ከምዝብል። (ማቴ. 9፡35)

ከምኡ’ውን ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኢየሩሳሌም ትርከብ ቤተ መቅደስ ከይዱ፡ ነቶም ዚሸጡን ዚልውጡን ዝነበሩ ሰጒጉ፡ ‘ቤተይ ቤት ጸሎት ይበሃል’ ኢሉ ንቤቱ ዘጽረየሉ መዘከርታ ኾይና ዝተዋህበት ሰንበት እያ።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪጸርፍዎን ኪሃርምዎን ከለዉ ኣይተዛረበን። ባሪኹ ቐዲሱ መኅደሪቱ ንዝገበራ ቤተ መቅደስ ኣብ ዝተዳፈርሉ ጊዜ ግና፡ ካብ መቕደሱ ኣውፅኦም። ሎሚ ድማ ብድፍረት፡ ብሸለልትነት፡ . . . ንቤተ መቅደስ ዚደፍሩ ብንስሓ እንተ ዘይተመሊሶም ፡ መዓት እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊኦም ኪወርድ እዩ። (ዮሓ. 2፡13-18)
ስለዚ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኣብ ዘዳለወልና ሰማያዊት መቕደሱ ምስ ቅዱሳን ንዘለዓለም እናኣመስገንናዮ ምእንቲ ክንነብር፡ ሎሚ ኣብ ምድሪ ንዝተዋህበትና ቤተ ክርስቲያን (ቤተ መቅደስ) እናኣኽበርና፡ ናብኣ ክንኣቱ ከሎና “እመቦ ነኪር እምትእዛዙ ለኢየሱስ ይትከላዕ. . . ነጽሩ ነፍሰክሙ፡ ወአንጽሑ ነፍስተክሙ/ጐይታ ካብ ዝኣዛዞ ትእዛዝ ዝወፅአ እንተሎ ይከልከል . . . ነፍስኹም መርምሩ፡ ሰብነትኩም ኣንጽሑ” ንዝተባህለ ቃል ብምስትውዓል ናብ ቤተ ክርስቲያን ንመላለስን ንፍለጣን። (ቅዳሴ እግዚእ)
             ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195