banner

4ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ መፃጕዕ

ራብዓይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ መፃጕዕ

ራብዓይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፦ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ከምቲ ነቶም ድዉያነ ነፍስ ብትምህርቱ ዝበጽሖም ዝነበረ፡ ነቶም ድዉያነ ሥጋ ድማ ብተኣምራቱ ይፍውስ ከምዝነበረ ዝዝከረሉ ሰንበት እዩ። በዛ ዕለት’ዚኣ ካብ ጾመ ድጓ፡- ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ዝዝመር “አሕየዎ ኢየሱስ ለመፃጕዕ ለሠላሳ ወሰመንተ ክረምተ ሐመ” (ነቲ 38 ዓመት ዝተደነሰ መፃጕዕ፡ ጐይታ ኢየሱስ ኣሕወዮ) ብዝብል መዝሙር ዝተማእከለን “አምላኩሰ ለአዳም ለዕረፍት ሰንበተ ሠርዐ” ብዝብል ርእሲ መዝሙር ዝጅምር ኮይኑ፡ ጐይታ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብዝተፈላለየ ሕማማትን ሽግራትን ንዝተጠቕዑ ሰባት ማለት ንለምጻማት፡ ድኑሳት፡ ዕዉራት፡ ሓንካሳት፡ ጎባጣት፡ ሓንካሳት፡ ብኣጋንንት ንዝተተኅዙ . . . እናጠቐሰ ከምዘሕወዮምን፡ ኣብ ሰንበት ንሕሙማት ዕረፍቲ ከምዝሃበን ዘዘኻኽር እዩ። ብፍላይ ነቲ ን38 ዓመት ኣብ ዓራት ዝተጣበቐ ልሙስ “ተንሥእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ” ኢሉ ዘሕወየሉ ናቱ መዘከርታ እዩ። ምሉእ ትኅዝቶ ኣብ ወንጌል ዮሐንስ 5፡1-18 ተጠቂሱ ኣሎ።

ካብዚ ናይ ምፍዋስ ታሪኽ እንመሃሮ ብዙኅ እዩ። ንኣብነት፦
1. እግዚአብሔር ንሕሙማት ብምሕረቱ በጺሑ፡ ካብ ሕማሞም ፈዊሱ ጥዕና ከምዝህቦም እዩ። ንሠላሳን ሾሞንተን ዓመት ንዝተደነሰ፡ ካብ ማኅፀን ኣደኡ ብዘይ ዓይኒ ዝተወልደ፡ ካብ ዓሠርተ ክልተ ዓመት ጀሚሩ ደም ዝፈሳ ዝነበረ፡ እታ ከነኣናዊት ሰበይቲ . . . ወዘይመስሎ ኃይሊ ሕማም ሥዒሩ ጥዕና ሃቦም። ንሱ ኣብ ዝፈቐዶ ምሕረት ፡ ፈውስን መድኃኒትን ክህብ ከም ዝከኣሎ ንመሃር።

2. ዝሓወየ ሰብ፡ ንዝመሓሮ እግዚአብሔር ውዕለቱ ኣብ ሃይማኖት ጸኒዑ ብሥነ ምግባር ክተግህ ከም ዝግብኦ’ውን ንመሃር። ታሪኽ ናይዚ መፃጕዕ ግና ዘኅዝን እዩ። ብዝሓወየ ኣካሉ ኣእጋሩ ናብ ኣይሁድ ከይዱ፡ “ብዕለተ ሰንበት ዘድኃነኒ ኢየሱስ እዩ” ብምባል ንዘድኃኖ ጐይታኡ ከሲሱ ኣኅሊፉ ሃቦ። እዚ ሰብ እዚ ልቡ ዘይድኃነ፡ ንዘድኃኖ ዘይፈለጠን ኣኅሊፉ ዝሃበን ሕማቕ ሰብ እዮ። ንሕና ኸ ንዝተገብረልና ውዕለት ብምስጋና ዝመለስና ክንደየኖት ኢና፧

ብኣንጻር ናይ’ዚ መፃጕዕ፡ ብዝተገብረሎም ምሕረት እሙናት ኮይኖም ዘመኖም ብቅድስና ዝፈጸሙ ብዙኃት ቅዱሳን ኣለዉ። ንኣብነት፦ ርኵሳን መናፍስቲ ኃዲሮማ ዝነበሩ እሞ ደኃር ግና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሕረቱ ዝበጽሓ ማርያም መግደላዊት ምጥቃስ ይከኣል። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝምህረሉ ዝነበረ ጊዜ ምስ ካልኦት ቅዱሳን ኣንስቲ ኮይና ብጉልበታን ሕይወታን ንጐይታናን ንሓዋርያትን ዘድልዮም ብምቕራብ ተገልግሎ ነበረት። (ሉቃ. 8፡2-3) ኣብ ጊዜ ትንሣኤ፦ በቲ ፍሉይ ትግሃታ ትንሣኤኡ ንኽትርእይ ኣቐዲማ ክትርእን፡ ነዚ ብሥራት’ዚ ናብ ቅዱሳን ሓዋርያት ንምብጻሕ ተለኣኸት። ካብዚ ዝበልጽ ትዕድልቲ እንታይ ኣሎ፧ (ዮሐ. 10፡1-8) ብተወሳኺ ሓማት ጴጥሮስ ካብ ሕማማ ምስ ኣሕወያ፡ ተንሢኣ ኣገልገለቶም። ማቴ. 8፡15 

ፈዋሴ ድዉያን ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቶም ብእምነትን ተስፋን ንዝጽበይዎ ከም መፃጕዕ ዝኣመሰሉ ብብዝኅ ዝዓይነቱ ደዌን ሕማምን ዝሳቐዩ ወትሩ ይበጽሖምን ይፍውሶምን እዩ። ናይዚ ምስክር ካብ ዝኾነና ሓደ ኸኣ ኣብ ገዳማትናን ኣድባራትናን ኣብያተ ክርስቲያንን ዝርከብ ማየ ጸሎት እዩ።

ስለዚ እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታ ንሕሙማት ዝገበሮ ድንጋፀን ምሕረትን ንምዝካር ዝተወፈየት ዕለት እያ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195