banner

ኃሙሻይ ሰንበት፡ 'ደብረ ዘይት'

ኃሙሻይ ሰንበት፡ ደብረ ዘይት ‘ማእከለ ጾም’

ብዛዕባ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ምጽኣት ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ ኣብ ወርኃ ጳጉሜን ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ 4-6 ኅዳር ዘሎ ደብረ ዘይት ዝበሃል ኣሎ፡ እቲ ሣልሳይ ድማ መበል ኃሙሻይ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም ‘ደብረ ዘይት እናተባህለ ዝጽዋዕ እዩ። ‘ደብረ ዘይት’ ብሸነኽ ምሥራቅ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ጎቦ እዩ። “ወእንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት ቀርቡ ኀቤሁ አርዳኢሁ እንተ ባሕቲቶሙ” ከምዝብል (ማቴ. 24፡3)

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ ኸሎ ቅዱሳን ሓዋርያት ብሕት ኢሎም . . . ትእምርቲ ምምጻእካን ናይ መወዳእታ ዓለም ምልክታቱን እንታይ እዩ፧ እዚ መዓስ እዩ ዚኸውን፧ እስኪ ንገረና እናበሉ ናብኡ ምስ ቀረቡ ብዛዕባ ኅልፈተ ዓለምን ዳግም ምጽኣቱን ዝመሃረሉ እምባ ስለዝኾነ፡ እዛ ሰንበት’ዚኣ ደብረ ዘይት ተባህለት። ኣብዛ ሰንበት’ዚኣ ዚዝመር መዝሙርን ዚንበብ መጻሕፍትን ነቲ ጐይታ ኣብ ደብረ ዘይት ዚመሃሮ ብዛዕባ ምሥጢረ ምጽኣቱን፡ ምልክታት ኅልፈተ ዓለምን ዘመልክት እዩ።

ቀዳማይ ምጽኣት ጐይታ ብትሕትና ኣብ መብልዕ ማል ተወሊዱ እዩ። ዳግማይ ምጽኣቱ ግና ብኽብሪ ብእልፍ ኣእላፍ ቅዱሳን መላእኽቱ ተዓጂቡ፡ በክበበ ትስብእት በግርማ መለኮት ብምስጋና እዩ። ነዚ ዳግማይ ምጽኣቱ መንገዲ ዝጸርጉ ምልክታት ገለ ካብኣቶም ሎሚ ንዕዘብ ኣሎና።

• “ኣነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ብዙኃን ብስመይ ኪመጽኡ እዮም እሞ ንብዙኃን’ውን ኪስሕቱ እዮም።” ናይዚ ምልክት ቅድሚ ሕጂ “ብስም ክርስቶስ መጺኦም ነይሮም፡ ብሕጂ’ውን ብዝገደደ ኪመጽኡ እዮም። ብስም ክርስቶስ ትካላት እምነት ዚመሥረቱ፣ ክርስቶስ ብሕልምን ራእይን ተገሊጽለይ እናበሉ ዚመጽኡን ዚመጽኡ ዘለዉን ኣዝዮም ብዙኃን እዮም።” መስሓትቲ ብምዃኖም ድማ ንከየስሕቱና ክንጥንቀቕን ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ኽንቃወሞምን ‘ዑቍኬ ኢያስሕቱክሙ/ ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ’ ኢሉ የጠንቅቐና።

• “ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም . . . ሕዝቢ ናብ ሕዝቢ፡ መንግሥቲ ውን ናብ መንግሥቲ ኪለዓል እዩ” ሃገር ምስ ሃገር፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ነንሓድሓዱ፤ ኣብ መንጎ ሥድራን ቤተ ሰብን፡ ኣብ ሓደ ሰብ ሥጋን ነፍስን . . . ውግእን ፍልልይን ዝኸፍኣሉ ዘመን ብምህላውና ነቲ ትእምርቲ ምጽኣቱ ብሩህ ይገብሮ።

• “ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ . . . ” ብተፈጥሮን ሰብ ብዝሠርሖን ሕልቂት ሕዝቢ፤ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዝኸፍአ ሳዕቤን፡ ብዝቐልጠፈ ተርእዮን ሎሚ ዓለም ተናዊጻ ምህላዋ ርዱእ ትእምርቲ ምጽኣቱ እዩ። ምዕቡል ዘመን ኣብ ዝተባህለሉ ጊዜ ክብሪ እኽለ ማይን፡ ድርቅን ጥሜትን ዓጸቦን ዝገደደሉ ጊዜ እዩ። ካብዚ ዝገደደ ግና ረኃብ ነፍሲ፡ ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ዘይኮነስ ረኃብ ቃለ እግዚአብሔር ምህላዉ እዩ። ሰብ ሃይማኖቱ ኃዲጉ፡ ንዓውለማ ዝተገዝኣሉ፡ ዝያዳ ቃል እግዚኣብሔር ኣድህቦን ኣድናቖትን ዝህቦ ንስፖርተኛታት፡ ደርፍቲ፡ ተዋሳእቲ . . . ወዘይመስሎ ብምህላዉ እቲ ጊዜ ምቕራቡ ዘረድእ እዩ።

በታ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኃይልን ብዓቢይ ክብርን ዝመጽኣላ መዓልቲ ምድሪ ነቶም ኂዛቶም ዝነበረት ከተረክብ እያ። ወልደ ዕጓለ እመሕያው ክርስቶስ ብዘፍርሕ ግርማኡ ኪግለጽ እዩ። ሽዑ መወዳእታን መፈጸምታን ዘይብሉ ንብዓት ከም ማይ ክረምቲ ኪውኅዝ እዩ። መሣጢ መብረቕን ዘሰምብድ ብልጭልጭታን፡ ድምፂ ነጐድጓድን፡ ኃያል መስመስታን ከኣ ናብኣቶም ኪፍኖ እዩ። እዚ ኸኣ ዚስይፍን፡ ዚቖርጽን ዚፈላልን ብጽሒት ኃጥኣን እዩ። ምድሪ ዝተቐበለቶ ሕድሪ ክትመልስ እያ፡ ኣደ ኸኣ አውያት ጓላ እኳ ኣይክትሰምዕን እያ። “ሽዑ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ክንቀውም ኢና።” (ቅዳሴ ያዕቆብ ዘሥሩግ)። ሽዑ ኃጥኣን ካብ ኳኽ ሾብዓተ ጊዜ ዚጽልሙ ኮይኖም ዲያብሎስ መሲሎም ኪትንሥኡ፡ ጻድቃን ግና ካብ ፀሓይ ሾብዓተ ጊዜ ዚበርሁ ኾይኖም ንክርስቶስ መሲሎም ይትንሥኡ።

እሞ’ኸ ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን እታ መዓልቲ እቲኣ ክሳዕ ክንድዚ ተፍርህ ካብ ኮነት፡ ንመዓልቲ ጐይታ ከመይ ኮይንና ክንጽበያ ይግብኣና። እምበኣርከስ ጐይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ከምዝመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቅሑ!” ከምዝበለ። (ማቴ 24፡42)

ኣብዛ ሰንበት'ዚኣ ዚዝመር (ዕዝል)፦‘አመ ዕለተ ፍዳ አመ ዕለተ ደይን አመ ዕለተ እግዚአብሔር ምንተ ንብላ ለነፍስ አመ ኢታድኅን እም ውሉዳ ወምድርኒ አመ ታገብእ ማኅፀንታ፡ አመ ይለብስ አብ ልብሰ ፍዳ ወያሞጥሕ ሞጣሕተ በቀል፡ አመ ይወቅሰነ በግርምት ዓውድ አሜሃ ይትከሠት ወይሰጣሕ ምግባራቲነ ወይትነበብ ኵሉ ዘገበርነ . . .” ብምባል ጥቕልል ኣቢሉ ይገልጾ።

“ግና መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ እዩ፡ ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎት’ውን ንቕሑ” (1ይ ጴጥ. 4፡7) እናተባህለ ንሕና ግና ነቲ “ንቕሑ” ዝብል ቃል ዝዘንጋዕናዮ ንመስል። እሞ’ኸ ደኣ ኣብ’ታ መዓልቲ ፍርዲ ንዝቐርበልና ሕቶ ምላሽ ንምሃብ ድልዋን ዲና፧ ነታ መዓልቲ ብሓቂ ከምዚ ዘለናዮ ዲና ክንጽበያ፧ ያእ ኣይፋልናን! ሕዝበ ክርስቲያን ነቲ ኵሉ ዝተዋህበና ሰምዕታ ከነስተብህለሉ ይግብኣና። ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ናይ ሮሜ መልእኽቱ “ኵሎ ዘተጽሕፈ ለተግሣጸ ዚአነ ተጽሕፈ/ ኵሉ ንተግሣጽናን፡ ንምህሮናን እዩ ዝተጻሕፈ’ (ሮሜ 15፡4) ዝበሎ ብሸለልትነት ካብ ትእዛዝ እግዚአብሔር ክንወፅእ ኣይግብኣናን።

እስከ ብዛዕባ እተን ዓሠርተ ደናግል ንዘክር! እተን ኃሙሽተ ለባማት ነቒሐን ስለዝጸንሓ ነቲ መርዓዊ ኪቕበላ ከም ዝበቅዓ፡ እተን ኃሙሽተ ዓያሹ ደናግል ግና ጐይታና ክድንጕ እዩ ኢለን ከም ዝደቀሳ፡ እቲ መርዓዊ ምስ መጽአ ድማ ኪቕበልኦ ተንሢአን፡ ነቲ መብራህተን (ቀንዴለን) ከብርሃ እንተፈተና ግና እተን ቀንዴለን ዘይቲ ዘይብሉ ኾይኑ ነቲ መርዓዊ ኪቕበልኦ ከም ዘይከኣላ ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ኣሎ። ማቴ. 25፡1-13። እቲ ዘይቲ ዘይነበሮ ዝተባህለ፡ ኣብ ምግባረ ሠናይ ዘይጸንሐ፡ ትእዛዝ እግዚአብሔር ጥሒሱ፡ ንምጽኣት ጐይታ ከይተዳለወ ዝጸንሐ ሰብ እዩ። መወዳእታኡ ድማ ናብ ቦታ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን። ሽዑ ዝኸውን ብኽያትን፡ ኣውያትን ንብዓትን ረብሓኡ እንታይ እዩ፧ ባዕሉ ፈጣሪ እኳ ኢዱ ዝፈጠረቶም ናብ ጥፍኣት ኪኸዱ ምስ ርኣየ ምእንቲ ፍጡራቱ ክነብዕ እዩ። (ቅዳሴ ኣትናቴዎስ)።

ስለዚ እዛ ኃሙሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም መልእኽታ፡ ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ነዚ ዘመን ከነስተብህለሉን ካብ መስሓትያን ክንሕሎን እዩ። “ኣምላክ ሰላም ባዕሉ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፡ በታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጸላ መዓልቲ ኸኣ ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ኪትርከቡ ንመንፈስኩምን ነፍስኹምን ሥጋኹምን ይሓልዎ።” (1ይ ተሰ. 5፡23)

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195