banner

በዓለ ጥምቀት 2009 ዓ.ም.ግ. ብዓቢይ ድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ!!!

በዓለ ጥምቀት ብዓቢይ ድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ!!!
“ባሕርኒ ርእየት ወጐየት። ወዮርዳኖስኒ ገብአ ድኅሬሁ። አድባር አንፈርዐፁ ከመ ሐራጊት ወአውግርኒ ከመ መሐስአ አባግዕ። ምንተ ኮንኪ ባሕር ዘጐየይኪ፧ ወአንተኒ ዮርዳኖስ ዘገባእከ ድኅሬከ፧ አድባር ዘአንፈርዐፅክሙ ከመ ሓራጊት ወአውግርኒ ከመ መሐስአ አባግዕ፧ ባሕሪ ርእያቶ ሃደመት። ዮርዳኖስ ንድኅሪት ተመልሰ። ኣኽራን ከም ደዓውል፡ ኰረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ። ኣቲ ባሕሪ፣ እንታይ ኴንኪ ኢኺ ዝሃደምኪ፧ ኣታ ዮርዳኖስ’ከ፡ ንድኅሪት ዝተመለስካ፧ ኣቱም ኣኽራን፡ ከም ደዓውል፡ ኣቱም ኰረቢትሲ፡ ከም ዕያውቲ ዝተሰራሰርኩም፡ እንታይ ኴንኩም ኢኹም፧!” (መዝ. ዳዊት 114፥3-6)

ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብደረጃ ሃገር ብኣዝዩ ፍሉይን ድሙቕን ሥርዓት ካብ ተብዕሎም ዓበይቲ መንፈሳውያን በዓላት ሓደ ዝኾነ በዓለ ጥምቀተ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 11 ጥር 2009 ዓ.ም. (19 – 01 – 2017 ዓ. ም. ፈ.) ኣብ ኣሥመራ ከባቢ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዝርከብ ባሕረ ጥምቀት ብፁዓን ጳጳሳት፡ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፡ ውሉደ ክህነት፡ ኃለፍቲ መንግሥቲ፡ መንእሰያት ትምህርተ ሰንበት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብምዕሩግ ኣገባብ ተባዒሉ።

ኣብ ዋዜማ ከምቲ ቅዱስ ወንጌል፡ “ወይእተ አሚረ መጽአ እግዚእ ኢየሱስ እምናዝሬት ዘገሊላ ወአጥመቆ ዮሐንስ በፈለገ ዮርዳኖስ። በቲ ቅነ እቲ ጐይታ ኢየሱስ ካብ ናዝሬት ናብ ገሊላ መጽአ። ዮሓንስ ድማ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ኣጥመቖ።”(ማር. 1፥9) ንዝበሎ ምሳሌ ብምግባር ናይ ሸሞንተ ኣድባራት ኣሥመራ ታቦታት፡ ከካብ ማኅደሮም ብሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፡ ውሉደ ክህነት፡ መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት፡ ምእመናንን ምእመናትን ተሰንዮም ልክዕ ብዓሥራይ ሰዓት ናይ መዓልቲ (4፡00 ድ. ቀ.) ኣብ ባሕረ ጥምቀት ወሪዶም። ካብዚ ሰዓት እዚ ጀሚሩ ኸኣ ክሳዕ ማኅሌት ዘሌሊት ዝጅመር መዛሙር ክዝመርን ኣስተምህሮ ክወሃብን ኣምስዩ።

ቀጺሎም ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ምሉእ ለይቲ ነዚ ዕለት እዚ ዝተሠርዐ ሥርዓተ ማኅሌት ከብጽሑ ኃዲሮም። ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፡ “ክርስቶስ ተወልደ፣ ክርስቶስ ተጠምቀ። ወለደነ ዳግመ እማይ ወእመንፈስ ቅዱስ። እሙነ ኮነ ለፀሐየ ጽድቅ አስተርእዮቱ። አማን መንክር ስብሐተ ጥምቀቱ። ክርስቶስ ተወሊዱ፣ ክርስቶስ ተጠሚቑ። ንኣና ኸኣ ዳግማይ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ወለደና። ንፀሓየ ጽድቂ ዝኾነ ክርስቶስ ምግላጹ ግሁድ (ሓቂ) ኮነ። ብሓቂ ክብሪ ጥምቀቱ ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ።” እናበሉ ዘሚሮም።

ወጋሕታ ካብ መበል ዓሠርተው ሓደ ሰዓተ መዓልት ክሳዕ ካልኣይ ሰዓተ መዓልት (05፡00 ቅ. ቀ. – 08፡00 ቅ. ቀ.) ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ።

ብድኅር’ዚ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ለባስያን ውሉደ ክህነትን ካልእ ኵሉ ተሣታፋይ እዚ ክቡር በዓልን ኣብ ባሕረ ጥምቀት ብምእኽኻባብ ሥርዓተ ቅዳሴ ኣብጺሖም። ኣብዚ ጊዜ እዚ ኸኣ ብኃላፊ ክፍሊ ጉባኤ ሊቃውንትን ኣቦ መንበር ጉባኤ ሊቃውንት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝኾኑ መጋቤ ሓዲስ ኤልያስ ሃብታይ ስብከተ ወንጌል ተዋሂቡ። መምህር ኤልያስ ኣብ ስብከቶም፡ “እዚ ዕለት’ዚ ሓድነትን ሠለስትነትን ዝተገልጸሉ፡ ኣምላኽነት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጋህደሉ፡ ካብ ርኽሰትና ዝተቐደስናሉ፡ ካብ ሕማምና ዝተፈወስናሉ . . . ዕለት ብምዃኑ ብስብሐታትን ቅዳሴን ውዳሴን ነብዕሎ ኣሎና። ከምቲ ብነቢይ ‘እነዝኃክሙ በማይ ጽሩይ/ ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም’ (ሕዝ. 36፡25-29)ዝበሎ ድማ ጐይታና ትንቢት ንምፍጻም ኣብ ዝተጠምቀሉ እዋን ዝተፈጸሙ ነገራትን ንሕና ዝረኸብናዮ ጸጋን ሓደ ብሓደ ብምጥቃስ ብዛዕባ በዓለ ጥምቀት ስፍሕ ዝበለ ትምህርቲ ምስ ሃቡ፡ ኣብ መወዳእታ፡ “_ነዚ ረኺብናዮ ዘሎና ጸጋ ክንዕቅቦን በዓልና ብሃይማኖታዊ ሥርዓት ከነብዕሎን ይግብኣና ” ብምባል ለበዋኦም ኣቕሪቦም።
 

ካብ’ዚ ቀጺሉ፡ ባሕረ ጥምቀት ምስ ተባረኸ ካብ ጥምቀት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በረኸት ንምክፋል፡ ኵሉ ሰብ ማይ ተነጽገ። ብድኅር’ዚ ካብ ማኅደራቶም ወፂኦም ኣብ ዳስ ባሕረ ጥምቀት ዝኃደሩ ሸሞንተ ታቦታት ዝተወሰና ዓበይቲ ኣድባራት ኣሥመራ፡ ካብ ዝኃደሩሉ ዳስ ወፂኦም ኣብ ደገ ምስ ቆሙ፡ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፡ “ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደቱ ለክርስቶስ ወበእንተ ጥምቀቱ። ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ። ኃዲጎ ተስዓ ወተስዓተ ነገደ ቆመ ማእከለ ባሕር። ገብአ ወወፅአ በሰላም። ሎሚ ብምኽንያት ልደት ከምኡ’ውን ጥምቀት ክርስቶስ ሓጐስ ኮነ። ህልው ንዝኾነ ልዑል እግዚአብሔር ነመስግኖ። 99 ነገደ መላእክት ኃዲጉ ኣብ ማእከል ባሕሪ ቆመ። ናብቲ ማእከል ባሕሪ ኣትዩ ኸኣ ብሰላም ወፅአ።” ዝብል ሰላም ምስ ምልጣኑ ኣቕሪቦም።

ነዚ ኵሉ ኣገልግሎታት ዝመርሑ ናይ ሎሚ ዓመት ናይ በዓለ መስቀልን በዓለ ጥምቀትን በዓልቲ እብረ ደብር፡ ደብረ ግዕዛን ቤተ ክርስቲያን መድኀኔ ዓለም ገዛ ባንዳ ጥልያን ምስ ተኃጋገዝቲ ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ ዕዳጋ ኃሙስን ደብረ ፀሐይ አቡነ ተክለሃይማኖት ሓዝ ሓዝን እዮም ነይሮም።

ኣብ መወዳእታ መራሒ መርሐ ግብር ናይ’ዚ ዓቢይ መደብ ዝኾኑ ኃላፊ ክፍሊ ኣገልግሎት ካህናት ሊቀ ካህናት ቀሲስ ሳሙኤል ጸጋይ፡ ነዚ በዓል እዚ ብምዕሩግ ኣገባብ ንኺኃልፍ እጃሞም ንዘበርከቱ ኣካላት መንግሥትን ቤተ ክርስቲያንን ብስም ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣመስጊኖም። ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ድማ፡ “ኵልና ናይ’ዚ ክቡር በዓል ተሣተፍቲ ንእግዚአብሔር ኣምላኽና እናኣመስገንና፡ ታቦታትና ብኽብሪ ኣሰኒና ክንከይድ፣ ወልድ ዋሕድ ኣብ እትብል ሃይማኖትና ጸኒዕና ብፍቕርን ምትሕልላይን ክንነብር ይግብኣና።” ብምባል ሓፂር ኣቦኣዊ ቃለ ምዕዳን ብምሃብ፡ ነቲ መርሐ ግብር ብጸሎትን ሥርየትን ዓፅዮምዎ።

ብድኅር’ዚ እቶም ሸሞንተ ታቦታት ብዝምስጥ ሥነ ሥርዓት ካብ ባሕረ ጥምቀት ተበጊሶም ብያሬዳዊ መዛሙር ተሰንዮም፣ ብውሉደ ክህነትን ምእመናንን ማሚቖም ነናብ ደብሮም ተጓዕዙ። በዚ ድማ መፈጸምታ በዓለ ጥምቀት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኮነ።

ሰላም ለማየ ዮርዳኖስ ዮሐንስ ዘዐተቦ፣
መንፈስ ቅዱስ ከመ አጥበቦ፣
ሶበ መጽአ ቃል እምሰማይ ለተናብቦ፣
ነድ ለማየ ባሕር ከበቦ፣
ማይ ኀበ የሐውር ጸበቦ። (ነግሥ ዘበዓለ ጥምቀት)

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195