banner

ክብረ በዓል ገዳም አቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ብዓቢይ መንፈሳዊ ኣኸባብራ ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ገዳም አቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ብዓቢይ መንፈሳዊ ኣኸባብራ ተኸቢሩ!

ዓመት መጸ 1 የካቲት ዝበዓል ዝክረ ዕረፍቲ ኣቡነ እንድርያስ ሎሚ ዓመት 2009 ዓ.ም. እውን ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተኸቢሩ። ኣብዚ ክብረ በዓል እዚ ኣበ ምኔት ገዳማት፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ሊቃውንት መዘምራንን፡ ካህናትን ዲያቆናትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ ክርስቲያን ተሳተፍቲ በረኸት ኣቡነ እንድርያስ ኮይኖም።


ንኽብሩ እዚ በዓል እዚ ካብ ዋዜማ ኣትሒዞም ክሳዕ 1 የካቲት ሰዓት 10፡00 ቅድሚ ቀትሪ ብሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን መነኮሳትን ስብሓተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን ምንባብ መጻሕፍትን በጺሑ። ሰዓት 10፡00 ቅ.ቀ. ምስ ኮነ ታቦት ካብ ላዕላዋይ ቤተክርስቲያን ናብ ታሕታዋይ ቤተ ክርስቲያን ብሊቃውንት ኣቦታትን ውሉደ ክህነትን ለባስያን ተኣጂቡ ብእግዚኦታ ምእመናን ተሰንዩ ሠለስተ ሳዕ ምስ ዖደ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ቆመ። ታቦት ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ቆይሙ ከሎ ሊቃውንት ኣቦታት ወተቀበልዎ መላእክት . . . ኢሎም ምስ ኣሸብሸቡ፡ ብኣበምኔት ገዳም ኣባ ክብረ ኣብ ታሪኽ ኣቡነ እንድርያስ ብሰፊሑ ኣስተምህሮ ምስ ተዋህበ ሰላመ ኣብ ተባሂሉ ናይ ዑደት ሥነ ሥርዓት ተፈጺሙ።

ብድኅር እዚ ጸሎተ ቅዳሴ በጺሑ ኵሉ ነጋዲ ማይ ዮርዳኖስን ጸበል ኣቡነ እንድርያስን ሒዙ ብገዳም ዝተዳለወሉ መክፈልቲ በሊዑ በረኸት ኣቡነ እንድርያስ ብምቕባሉ እናመስገነ ነናብ ቦትኡ ተመልሰ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195