banner

መበል 14 ዓመት ምምሥራት ቤት ትምህርተ ሰንበት ደብረ ሰላም አቡነ አረጋዊ ዒላበርዕድ ተኸቢሩ! (2)

መበል 14 ዓመት ምምሥራት ቤት ትምህርተ ሰንበት ደብረ ሰላም አቡነ አረጋዊ ዒላበርዕድ ተኸቢሩ!

መበል 14 ዓመት ምምሥራት ቤት ትምህርተ ሰንበት ደብረ ሰላም አቡነ አረጋዊ ዒላበርዕድ “ኦ እግዚአብሔር ጐይታይ፡ ክሳዕ ክንድ’ዚ ዘብጻሕካንስ ኣነ መን’የ፧ ቤተይከ እንታይ እያ፧” (2ይ ሳሙ. 7፡18) ኣብ ዝብል መርሒ ቃል ፡ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርተ ሰንበት መንበረ ፓትርያርክ ፡ ወኪል ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ዓንሰባ (ከረን)፡ ሊቃውንት ፡ መማህራን ፡ ካህናት ደብረ ሰላም አቡነ አረጋዊ ዒላበርዕድ፡ ወለዲ ፡ ሠራሕተኛታት ፡ መንእሰያት ሕጻናትን ከተማ ዒላበርዕድ ኣብ ዝተረክብሉ ተኸቢሩ ውዒሉ።


መደብ ብጸሎት ምስ ተጀመረ ‘‘ኦ እግዚአብሔር ጐይታይ ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ ኣነ መን’የ፧ ቤተይከ እንታይ እያ፧’’ (2ይ ሳሙ 7፡ 18) ብዝብል ኣርእስቲ ትምህርቲ፡ ‘ናብዚ ዘብጸሐ ኵሉ ንዝከኣሎ ፈጣሪ ምስጋና ምቕራብን ናብ ቤተ እግዚአብሔር ወትሩ ክንመጽእን ከምዝግባእ’ ኣስተምህሮ ተዋህበ።

ብድኅር እዚ ክብሪ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽ፡ ኣብዛ ቅድስትን ርትዕትን ተዋሕዶ ሃይማኖትና ክንጸንእ ከምዝግበኣናን፡ ኣብ ዘለናዮ ዘመን ከቢድ ሕማማ ደቂ ሰባት ኮይኑ ካብ ዘሎ ሕሜት ክንርሕቕ ከምዝግበኣና፡ ኣብ ዘመንና ካብ ዝረአ ምቕያር ሃይማኖትን ንሓደስትን እምነታት መፈተኒ ከይንኸውን ዝምህር፦ መዝሙር ብሕጻናት፡ መንፈሳዊ ግጥሚ ብቋንቋ ግእዝን ትግርኛን፡ ልሳን ሕጻናትን ቀረበ።
ብምቕጻል መዝሙር ብማእከሎትን ጸብጻብ ቤት ትምህርተ ሰንበት ደብረ ሰላም አቡነ አረጋዊ ቤተ ክርስቲያን ተዋሂቡ። ኣብ ጸብጻቦም ተራ ቤት ትምህርተ ሰንበት ኣብ ምፍራይ ውሉደ ክህነት ፡ ኣብ ምምሃርን ምዕቓብን ሃይማኖት ተዋሕዶ፡ ተሳተፎ ውሉደ ክህነት ኣቦታት ዓቢ ከምዝኾነን ኵሉ ብሃይማኖት ክጸንእ ኣተሓሳሲቦም።

መንፈሳዊ ተዋስኦ፦ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. ፯ /7 ታሪኽ ሰማዕትነት ሊቀ ዲያቆናትን ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስን ቅዱስ ጳውሎስን ዘተኾረን ብሃይማኖት ተዋሕዶና ክሳዕ መወዳእታ ክንጸንዕ ከምዝግብኣና፡ ብክርስቶስ ኣሚንና ናብቲ ኵሉ ዝኸኣሎ ሕያው ፈጣሪና ክንቐርብ ከምዝግብኣና ዘረድእ ነበረ።

ወረብ ድማ፡ ‘አረጋዊ ምሉአ ፍቅር ከመ ጽጌረዳ’ ዘርእስታ ብመንእሰያት ትምህርተ ሰንበት ምስ ቀረበ፡ ማዕዳ ብወኪል ሃገረ ስብከት ዓንሰባ ተዋሕበ።

ኣብ መወዳእታ ቃል ሓላፊ ትምህርተ ሰንበት፡ ተራ ወለዲ ኣብ ምዕላይ ሕጻናትን መንእሰያትን ክዓዝዝ፡ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያኖም ኣብ ምጽናዕን ምዕቓብን ሕጻናትን መንእሰያትን ዝጽበየና ዕዮ ብዙሕ ምዃኑ ምስ ኣዘኻኸሩ፡ ብጸሎት ተዛዚሙ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195