banner

መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ፍኖተ ብርሃን 15 መምህራን ብዝተፈላለየ መንፈሳዊ ሞያ ኣመሪቑ!

መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ፍኖተ ብርሃን 15 መምህራን ብዝተፈላለየ መንፈሳዊ ሞያ ኣመሪቑ!

መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ፍኖተ ብርሃን ብ09 የካቲት 2009 ዓ.ም. ንመበል 11 ጊዜኡ ኣብ ዘመረቖ ሥነ ሥርዓት፡ ካብ 4-8 ዓመታት ብዓውዲ መንፈሳዊ ትምህርቲ ክምህሮም ዝጸንሐ 15 መማህራን ኣመሪቑ።

ኣብዚ ሥነ ሥርዓት ብፁዓን ኣቦታት ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ዞባ መኣከል ፡ መማህራን ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ሠራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክን ምእመናንን ምእመናትን ተረኺቦም ነይሮም።

ቀሺ ብርሃነ ጸሓፊ ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ነዞም ካብቶም ቀንድን ዓበይትን መሠረተ እምነትና ዝኾኑ ትርጓሜ መጻሕፍትን ሥርዓተ ማኅሌትን ቅዳሴን ካልኦት ዓይነት መንፈሳዊ ኣገልግሎታትን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብግቡእ ንምትሕልላፍን ንምዕቃብን ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ብቑዓት ሰብ ሞያ መምህራን ንምፍራይ፡ ብዙኅ ጻዕርታትን ወጻኢታትን ምግባር ሓደ ካብ’ቶም ወፍሪ ዝግበረሎም ዘሎ መደባት ልምዓት ከም ዝኾነን፡ በቲ ዝተኻየደ ጻዕሪ ድማ ሎሚ ዓመት 3 መማህራን ብሞያ ትርጓሜ ወንጌል፣ 3 መምህራን ብሞያ ኣቋቋም፣ 1 መምህር ብሞያ ድጓ፣ 8 መማህራን ብሞያ መዝገብ ቅዳሴ ብጠቕላላ 15 መማህራን ንኽምረቑ ከም ዝበቕዑ ገሊጾም።

ቀጺሎም’ውን “ተማሃሮ ብመሠረት ዝወፀ መምርሒ ቅዱስ ሲኖዶስ ንመጀመርታ ጊዜ ቅድሚ ምምራቖም ንሓደ ዓመት ብኣገልግሎት ኣብ ገዳማትን ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታትን ኣብያተ ክርስቲያንን ብሞያኦም ተመዲቦም ከም ዘገልገሉ፡ እዚ ድማ ንዕቤት ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያናት ዓቢይ ግደ ከም ዘለዎን ምስ ገለጹ፡ ‘ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መደብ እቶም ዝተረፉ መሠረታውያን ዝኾኑ መንፈሳዊ ዓውድታት፡ ከም ቋንቋ ግእዝ፡ መጽሓፈ ሊቃውንት፡ መጽሓፈ መነኮሳትን ፍትሓ ነገሥት ኣብ ሓፂር ጊዜ ክጅምር ምዃኑ ሓቢሮም።

ነቶም ብልዑል ጻዕሪ ንተመሃሮ ናብ መምህርነት ደረጃ ንኽበጽሑ ብዘይ ዕረፍቲ ዝደኸሙ መምህራን ድማ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ተመረቕቲ መምህራን ብወገኖም በብዝተመረቕሉ ሞያ ልቢ ዘጥልል ጣዕመ ዜማ ምስ ኣስምዑ፡ ብሞያ ትርጓሜ መጻሕፍቲ ዝምረቕ መምህር ኣብርሃለይ ከኣ እዚ ንቅዱሳን ሓዋርያት ወንጌል ንዅሉ ዓለም ክምህሩ ዝተዋህበ ሥልጣን ከምዝኾነን ዝምልከቶ ኵሉ ክሠርሓሉ ከምዝግብኦ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ብወኪል ተመረቕቲ መምህር እስጢፋኖስ ድማ ናብዚ ንዘብጽሖም ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ፡ መማህራን ሊቃውንትን ወለዶምን ቓል ምስጋና ምስ ተዋህበ፡ ብመምህር ዘካርያስ መምህር ቅኔ ነቲ መዓልቲ ዝምልከት፡ ከዋው እገሪሆሙ ለእለ ይዜንዉ ዜና ብምባል ጀሚሩ ክሳዕ ዕጣነ ሞገር ዘሪፎም። ብድኅር’ዚ ብብፁዓን ኣቦታት ምስክር ወረቐት ተዋህበ።

መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ፍኖተ ብርሃን ዛጊት 3 መምህራን ትርጓሜ መጻሕፍቲ፣ 14 መምህራን ኣቋቋም፣ 8 መምህራን ድጓ፣ 30 መምህራን መዝገበ ቅዳሴ፣ 5 መምህራን ዝማሬ መዋሥዕት፣ 1 መምህር ቅኔ ብጠቕላላ 61 መምህራን ከም ዘፍረየ ይፍለጥ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195