banner

ክፍሊ ስብከተ ወንጌል መንበረ ፓትርያርክ 3ይ ጉባኤ ኣካይዱ!

ክፍሊ ስብከተ ወንጌል መንበረ ፓትርያርክ 3ይ ጉባኤ ኣካይዱ!

ክፍሊ ስብከተ ወንጌል መንበረ ፓትርያርክ 3ይ ጉባኤ “አሚንሰ መሠረት ይእቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ዞማ ማእከልን ካብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣስመራ ዝተኣከቡ ልዕሊ 50 ዝኮኑ መምህራን ሰበኽቲ ወንጌል ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ኣካይዱ።

ኣብዚ “አሚንሰ መሠረት ይእቲ ኣብ ዝብል ቴማ ብክፍሊ ስብከተ ወንጌል መንበረ ፓርትያርክ ዝተዳለወ ኣኼባ ብመሪጌታ ስምኦን በየነ ናይቲ ኣኼባ ተገሊጹ። ዕላማ ናይዚ ጉባኤ ፦


1. እምነት መሠረት ስለዝኮነ ምእመናን ብእምነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ጸኒዖም ብሥነ ምግባር ጸኒዖም ክመላለሱ ንኣምላክ ከገልግሉ ዘየቋርጽ ጎስጓስ ብሰበክቲ ወንጌል ንክኻየድ፡
2. ኣብ ነፍስ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ኮሚተ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ክልል ቤተ ክርስቲያን ክትቀውም ከምዝተኣዘዘ ዝፍለጥ ኮይኑ ዕዮን ሓላፍነትን እዛ ኮሚተ ንምሕባርን ንምዝታይን፡
3. ኣብ ዓቢይ ጾም ሰበክቲ ወንጌል ምስ ተሓጋገዝቶም ኮይኖም (ድኅሪ ድርገት ክሳብ ኣድንኑ) ዘሎ ጊዜ ስሩዕ ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል ንክገብሩ ምሕባር፡
4. ክፍሊ ስብከተ ወንጌል (አሚንሰ መሠረት ይእቲ) ኣብ ዝብል መሪሕ ቃል ዓመታዊ መደብ ሥራሕ 2009 – 2010 ዓ.ም. ከውጽእ ስለዝኮነ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰበክቲ ወንጌል ክዛተየሉ፡ ዝዓለመ ምዃኑ ምስ ተገልጸ።

ኣብ ቍጽሪ 2 ዝተጠቕሰ ዕላማ ኣብ ተግባር ንምውዓል ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እንዳ ጥምቀት ኣብ ቃል ኪዳን ኣብ ምህለላ ፡ ኣብ ኣኼባ ምእመናን ፦ ኣብ መርዓ ኣብ ሓዘንን ኣብ ቀብሪ፤ ኮሚተ ሰበክቲ ወንጌል ክነጥፉ ተሓቢሩ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም’ውን ከምዚ ዓይነት ኣኼባ ቀጻልነት ንኽህልዎን፡ ንስብከተ ወንጌል ዘስፍሕ ርኢቶ ምስ ሃቡ እቲ ጉባኤ ብጸሎት ተዛዚሙ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195